ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብልንክን፣ 'ውጥረት ንምትህድዳእ’ ንፍሉይ ልኡኾም ሎሚ ሰሉስ ናብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከምዝለአኹ ተገሊጹ። እቶም ሚኒስትር v ወጻኢ ኣብ ዝፈነውዎ መግለጺ "ፍሉይ ልኡኽ ጀፍርይ ፈልትማን፣ ኣብ ግብጺ፣ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ሱዳንን ክበጽሑ'ዮም" ኢሎም።
እቶም ፍሉይ ልኡኽ ኣብቲ ዞባ ፖለቲካዊ ውድባትን ሰብኣዊ ሓገዝ ወሃብቲ ጉጅለታት ብተወሳኺ ምስ ሰበስልጣናት መንግስታት ፣ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን 'ውን ክራኸቡ 'ዮም ። ብሊንከን ኣብ መግለጺኦም " እቲ ፍሉይ ልኡኽ ምምሕዳር ባይደን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝተሓላለኹ ፖለቲካዊ ፣ ፀጥታዊን ሰብኣውን ቅልውላዋት ንምፍታሕ ቀፃልነት ዘለዎ ዲፕሎማሲያዊ ፃዕሪ ንምክያድ ዘለዎ ድልየት ዘርኢ እዩ ። ብምዃኑ ኣብቲ ዞባ ፖሊሲ ኣሜሪካ ብምትሕብባር ሽትኡ ንምዕዋት ዝሰርሕ እዩ ዝኸውን" ኢሎም ።
ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ነበር ዴቪድ ሺን ትማሊ ሰሉስ ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃብዎ ቃል ፊልትማን ናብ ኤርትራ ክበፅሑ ምግባሩ ዓብዪ ትርጉም ዘለዎ እዩ: "ሓደ ዓብዪ በዓል ስልጣን ኣሜሪካ ምስ ላዕለዎት ሰበስልጣናት ኤርትራ ክራኸቡ ምፍቃድ ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት እዚ ፈላማይ እዩ ።እዚ ባዕሉ ሓደ ፅቡቅ ነገር እዩ " ኢሎም ።
ኣሜሪካ ነቲ ሻድሻይ ወርሑ ሒዙ ዝርከብ ጎንፂ ጠጠው ክብል ንኢትዮጵያ ፀቅጢ ክትፈጥረላ ምፅነሓን ከምኡ'ውን ኣብ ትግራይ ኣትዮም ዝርከቡ ወተሃደራት ኤርትራ ካብቲ ክልል ንኽወፁ ክትፅውዕ ምፅነሓ ዝዝከር እዩ ።
ኣብዚ እዋን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጆርጅ ታዎን መምህር ዓለምለኸ ጉዳያት ኮይኖም ዝሰርሑ ዘለዉ ኣምባሳደር ሺን "ሰራዊት ኤርትራ ናብ ቦትኦም እንተድኣ ዘይምለሱ ኮይኖም ኣሜሪካ ንኤርትራ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከም ዝተገለለት ሃገር ኮይና ክትረአ ዘኽእል ኩነታት እናዓበየ ክመፅእ ይኽእል እዩ "ኢሎም።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ጀሚሩ ሰራዊት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ኣብታ ክልል ንዝነበረ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኢትዮጵያ ድሕሪ ምጥቀዖም ሰራዊቶም ከድሕኑ ኣብ ልዕሊ እታ ክልል ኲናት ከምዝኣወጁ ይዛረቡ ።
ከም ሓበሬታ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብዚ እዋን ብሰንኪ እቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናት 4.5 ሚልዮን ሰባት ንሰብኣዊ ሓገዛት ተቓሊዖም ይርከቡ:: ሕቡራት ሃገራት ሎምዘበን ኣብ ትግራይን ብሓፈሻ ኣብ ሙሉእ ኢትዮጵያ ንዝርከቡ 16 ሚልየን ቅልጡፍ ሓገዝ ዘድልዮም ሰባት ሓቲቱ ይርከብ ።
ብኻልእ ወገን በታ ኢትዮጵያ ኣብ ሩባ ኣባይ ትሃንፆ ዘላ ዓብይ ግድብ ህዳሰ ዝመበገሲኡ ኣብ ሞንጎ ሱዳን፣ግብፅን ኢትዮጵያን ወጥሪ ነጊሱ ይርከብ ። ግብፅን ሱዳንን ቅድሚ እቲ ግድብ ማይ ምምልኡ ምስ ኢትዮጵያ ሕጋዊ ስምምዕነት ክብፃሕ እንተኾነ ድልየተን ቀዲማ ምምላእ ማይ እቲ ግድብ ጀሚራ እያ ። እዚ ድማ ነተን ሃገራት ኣብ ቀረብ ማይንን ሓይሊ ኤለክትሪከንን ብቀጥታ ሓደጋ ዘስዕብ ስጉምቲ ገይረን ወሲደንኦ። ኣብ ሞንጎ ሰለስቲኤን ሃገራት ንዝተፈጥረ ንምስሕሓብ ሕብረት ኣፍሪቃ መንጎኛ ኮይኑ ክክሽምግል ፀኒሑ እዩ።