ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚ/ጉ/ወ ኣሜሪካ ኣንተኒ ብሊንከን ምስ ፕረዚደንት ዲ/ሪ/ኮንጎ ምዝርራቦም ተገሊጹ


ወሃቢ ቃል  ሚኒስትሪ ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኔድ ፕራይዝ
ወሃቢ ቃል  ሚኒስትሪ ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኔድ ፕራይዝ

ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ምስ ፕረዚደንት ዲሞክራቲክ ሪፖብሊክ ኮንጎ ፊልክስ ስሸከዲ ተዘራሪቦም። ኣብቲ ርክብ ክልቲኦም ወገናት ምሕዝነት ክልቲአን ሃገራት ንምሕያል ሓቢሮም ንምስራሕ ቃል ኣትዮም ኣለው።

ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ብሊንከን ፕረዚደንት ስሸከዲ ንብልሽውና ንምግጣም ፣ ትካላት ዴሞክራሲ ንንምሕያል፣ ሰላምን ሰብኣዊ መሰላትን ንምኽባርን ህዝባዊ ጥዕና ንምምሕያሽን ንዘለዎም ናይ ለውጢ ኣጀንዳ ከምዝድግፉ ገሊፆም። ፕረዚደንት ስሸከዲ ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ብምዃን ንዘለዎም ተራ መሪሕነት ናእድኦም ብምግላፅ ኣብ እዋን ናይ ሕብረት ኣፍሪቃ መሪሕነቶም ከባቢያዊ ሓለዋን ኣንፃር ቅልውላው ኩነታት ኣየርን ንምግጣም ቀዳምነት ክህቡ ተዘራሪቦም ኣለው።

ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ብሊንከን ሃገሮም ኣብ ክልል ትግራይ እናሓመቐ ይኸይድ ብዛዕባ ዘሎ ሰብኣዊ ኩነታት ዝለዓለ ሻቐሎት ከምዘለዋ ገሊፆም። ሕብረት ኣፍሪቃ ግጭት ክቕንስን ኣብ ዓብይ ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ ዘሎ ምስሕሓብ ክሽምግሉን ኣገዳስነት ተራ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝብል ድማ ጸቒጦም ተዛሪቦም።

ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኔድ ፕራይዝ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ ክልቲኦም መራሕቲ ዴሞክራሲያዊ ሪፓብሊክ ኮንጎ ዘለዋ ሰፊሕ ቕሙጥ ዓቕማ ክትግንዘብን ኣወንታዊ ተርኣ ክቕፅልን ሓቢሮም ንምስራሕ ድልውነቶም ገሊፆም ኣለው ይብል ።

XS
SM
MD
LG