ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚ/ጉ/ወ ኣሜሪካ ምስ ሃገራት ጉጅለ-7 ንምዝታይ ለንደን ኣትዮም


ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ምስ ብቁጠባ ዝማዕበላ ሃገራት G-7 መዘናታቶም ንምዝታይ ለንደን ኣትዮም ኣለው።ኣብቲ ንሰለስተ መዓልታት ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ስሩዕን ጎናውን ኣኼባታት ለበዳ ኮሮናቫይረስ፣ ጉዳይ ሩሲያን ቻይናን ዛዕባታት ክኾኑ ይኽእሉ'ዮም ተባሂሉ'ሎ።

ኣብ ቀረባ ዓመታት መዘራረቢ ዛዕባ ኮይኑ ዝፀንሐ ኒኩሌራዊ ፕሮግራማት ኢራንን ሰሜን ኮሪያን ሎሚ ሶኑይ ምሸት ኣብ ዝህልው ናይ እንኳዕ ደሓን መፃእኹም እንግዶት ድራር ዝርርብ ክግበረሉ ተመዲቡ ኣሎ።

ብሊንከን"ኣዚያ ኣገዳሲት መሻርኽትና ዝኾነት ብሪጣንያ ንዋዕላ ብቁጠባ ዝማዕበላ ሃገራት G-7 ብፕረዝዳንትነት ብምትእንጋድ ሸውዓተ ዓመታት ኣቑጺራላ’’ ኢሎም::

ብሊንከን ብምውሳኽ ኣብ ብሪጣንያ ድሕሪ ምብጽሖም ብቲዊተር ኣቢሎም ኣብ ዝዘርግሑዎ መልእኽቲ ‘'ምስ መሻርኽትናን መሓዙትናን ኣብዞም ጉዳያት ንምዝታይ ናብዚ ምምላሰይ ፅቡቕ እዩ’’ ኢሎም ።

XS
SM
MD
LG