ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚ/ጉ/ወ ኣመሪካ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ውዕል ሰላም ንዘርኣየቶ ስጉምቲ ንኢዶም


ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንተኒ ብሊንከን ምስ መራሕቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተራኸበሉ እዋን፡ ኢትዮጵያ ኣብ ውዕል ሰላም ንዘርኣየቶ ስጉምቲ ብምንኣድ፡ ኣብ ግጭት ክልል ትግራይ ብኹሎም ወገናት ዝተፈጸመ ግፍዕታት ተሓታትነት ዝረኽበሉ ጉዳይ ካብ መንጎ ዓበይቲ ኣጀንዳታት ከምዝነበረ`ውን ይግለጽ ኣሎ።

“ጥዑም ቡን” ብምባል`ዩ ጀሚሩ፡ ኣንተኒ ብሊንከን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ላዕለዎት መራሕቲ መንግስትን ክልል ትግራይን ኣብ ዝተራኸበሉ እዋን፡ ብጎኒ ባህላዊ ስነ-ስርዓት ምፍላሕ ቡን ይካየድ ኔሩ። ክልቲኦም ወገናት ድሕሪ`ቲ ናይ ክልተ ዓመት ሑሱም ኲናት ዝተሰብረ ርክቦም ንምዕራይ ዝተሃንጠዩ ይመስሉ።

ብሊንከን፡ ብዛዕባ ኣብቲ ኲናት ዝሃለቐ ህይወት ብምንጽብራቕ `ዩ ዘረብኡ ጀሚሩ፡“እቲ ግጭት ኣዝዩ ኣዕናዊ`ዩ ኔሩ። ኣማኢት ኣሸሓት ሞይቶም። ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ሰፊሕ ጾታዊ በደል ኔሩ። ሚልዮናት ካብ ቤት ንብረቶም ተፈናቒሎም። ብዙሓት ብዘይ መግቢ መዕቆብን መድሃኒትን ተሪፎም። ሆስፒታላት: ኣብያተ ትምህርቲ: ኣብያተ ንግዲ ተደብዲቡ። ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት ህይወት ኣብ ምድሓንን ህይወት ኣብ ምልዋጥን ዓቢይ ፍጻመ ንቕድሚት`ዩ። ድምጺ ብረት ኮነ ኲናት ጠጠው ኣብ ዝበለሉ እዋን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ክጎድል ክኢሉ።”

ብሊንከን ኣተሓሒዙ መራሕቲ ኣፍሪቃ፡ ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ከምኡ`ውን መራሕቲ ክልል ትግራይ ነቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር ዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላም ናእዳ ይግቦም`ዩ፡ እዚ ድማ ብኣመሪካ ዝተደገፈ ውዕል`ዩ ኢሉ። ኣመሪካ ንኢትዮጵያ ዝበዝሐ ልግሲ ትህብ ሃገር ምዃና`ውን ብኸምዚ ዝስዕብ ኣተንቢሁ።

"ሎሚ ተወሳኺ 331 ሚልየን ዶላር ህጹጽ ረድኤት መግብን ሰብኣዊ ሓገዝን ከምዝወሃብ ይገልጽ ኣለኹ። በቲ ግጭትን ብደርቅን ንዝተጎድኡ ሚልዮናት ኢትዮጵያውያን ንምሕጋዝ ዝዓለመ`ዩ።"

ሓደ ክኢላ ንድምጺ ኣመሪካ ክገልጽ ከሎ፡ ድሕሪ`ቲ ጨካን ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ፡ነቲ ምሕዝነት ኣመሪካን ኢትዮጵያን ናብ ንቡር ንምምላስ መስርሕ ዘድልዮ`ምበር ብሃንደብት ዝቕየር ኣይኮነን፡ እንተኾነ ኣመሪካ ንምሕጋዝ ኣብ ፍሉይ ቁመና ኮይና ቀሪባ`ላ ኢሉ።

ጆሰፍ ሲይግል፡ ኣብ ሃገራዊ ምክልኻል ዩኒቨርሲቲ ዳይሬክተር ማእከል ስትራተጅካዊ መጽናዕቲ ኣፍሪቃ`ዩ።

ብኸምዚ መዳይ እያ ኣመሪካ ብኽልቲኦም ወገናት ዝእመን ተሳታፍነት ክተርኢ ትኽእል። ክልቲኦም ወገናት ንቕድሚት ኣብ ዝስግሙሉ እዋን ረብሓታት ክልል ትግራይ`ውን ኣብ ምርግጋጽ ክትሰርሕ ትኽእል። ግዝኣታዊ ሓድነትን ረብሓታትን ኢትዮጵያ`ውን ክተረጋግጽ ትኽእል።"

`ሳራ የገር` ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ዳይሬክተር ህዩማን ራይትስ ዋች`ያ። ንሳ ንድምጺ ኣመሪካ ክትገልጽ ከላ፡ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ፡ ምሕዝነት ናብ ንቡር ንምምላስን ናብ ፕሮግራም ናጻ-ቀረጽ ንምምላስን ተሃንጥዩ`ሎ እንተኾነ ብጥንቃቐ ክትሓዝ ኣለዎ ትብል።

ብኹሎም ወገናት ንዝተፈጸመ ግፍዕታት ትኹረት የጉድለሉ ኣሎ። ከም ኣብ ክልል ትግራይ ዝበሉ ባዕሉ ብዝመርሖ ሓይሊ ዝተፈጸመ`ውን ኣሎ። እዚ እናሃለወ`ዩ ካብ ኣመሪካ ቁጠባዊ ሓገዝ ዝደሊ ዘሎ፡ ምስ ካልኦት ኣብ ዙርያ ዓለም ዘለዉ መሻርኽቲን ለገስትን፡ ናጻ ንግድ ክህሉን፡ ናብ ኢትዮጵያ ንግዲ ክምለስን ይደሊ`ሎ።"

ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንተኒ ብሊንከን፡ ኢትዮጵያ ኣብ ቅኑዕ መስመር ትግስግስ ኣላ ይብል። ኣመሪካ ኣብ መጻኢ ራኢታት ኢትዮጵያ ተኻፋሊት`ያ። ናብ ፕሮግራም ናጻ -ቀረጽ ኣመሪካ ንምምላሳ ግን ንግዚኡ ቅርብቲ ኣይኮነትን ኢሉ።

XS
SM
MD
LG