ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚ/ጉ/ወ ኣመሪካ ንጉዳይ ምውጻእ ኣመሪካ ካብ ኣፍጋኒስታን ዝምልከት ንባይቶ ኣመሪካ መብርሂ ክህቡ'ዮም


ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንተኒ ብሊንከን
ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንተኒ ብሊንከን

ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንተኒ ብሊንከን፡ ብዛዕባ`ቲ ካብ ኣፍጋኒስታን ምውጻእ ዝነበረ ሕንፍሽፍሽ ምላሽ ንክህብ ሎሚ ኣብ ቅድሚ ባይቶ ኣመሪካ ቀሪቡ ውዒሉ`ሎ። ፕረዚደንት ባይደን ኣብ ምውጻእ ኣመሪካውያንን ኣፍጋኒስታውያንን ዘርኣዮ ኣተሓሕዛ፡ ንሪፓብሊካውያን ሓገግቲን ገለ ደሞክራሲያውያን ብጾቱን ብኸቢድ ተነቒፉሉ`ዩ። ባይደን ግን ዕዉት ምውጻእ`ዩ ክብል ይከላኸል።

እቲ ነቐፈታ ብፍላይ ዝበዝሓ፡ ኣብቲ ግዜ ምውጻእ ከለዉ 13 ወተሃደራት ኣመሪካ ብመጥቃዕቲ ቦምብ ድሕሪ ምቕታሎም`ዩ።እዚ ድማ ኣመሪካ ካብ`ቲ ኣብ ታሪኻ ዝነውሐ ዝብሃል ኩናት ኣፍጋኒስታን ብታህዋኽ ኣብ ትወጻሉ ዝነበረት እዋን ዘጋጠመ'ዩ።

ነቲ ኩነታት መልሲ ክህበሉ`ዩ`ምበኣር ሚንስተር ጉዳያት​ ወጻኢ ኣንተኒ ብሊንከን ሎሚ ኣብ ቅድሚ ኮሚቴ ጉዳያት​ ወጻኢ ባይቶ ወከልቲ ዝቐርብ ዘሎ። ጽባሕ ሰሉስ`ውን ብዛዕባ ተመሳሳሊ ጉዳይ ኣብ ሰነት ክቐርብ`ዩ ።

ዝተኣከበ ርእይቶ ህዝቢ ከምዘርኣዮ እንተኾይኑ፡ ባይደን ነቲ `መወዳእታ ዘይብሉ` ዝብሃል ኩናት ኣፍጋኒስታን ከኽትሞ ዝድግፍ`ዩ ኔሩ-ነገር ግን በቲ ዝተራእየ ዓይነት ሕንፍሽፍሽ ክኸውን ኣይነበረን።

ሕጂ ብሊንከን ኣብ ኮንግረስ ከበድቲ ሕቶታት ይጽበዮ`ሎ - ሓደ ካብኡ ስለምንታይ እቲ ምውጻእ ኣቐዲምኩም ዘይጀመርክምዎ? ባይደን ፡ ብፕረዚደንት ነበር ትራምፕን ጣሊባንን- ንዝተገብረ ስምምዕ ምውጻእ ከምዘተግብሮ ቃል ኣትዩ ኔሩ እንድዩ? ዝብል`ዩ።

ኣባላት ባይቶ ብዛዕባ ቅልጡፍ ምቁጽጻር ጣሊባንን ምውዳቕ መንግስቲ ካቡልን ኣብ ምሕባር ፈሺልኩም ኢኹም ብዝብል ንኣገባብ ምእካብ ሓበረታ ስለያ`ውን ክነቕፉ ጸኒሖም`ዮም- ።

ሕጂ ሪፓብሊካውያን ኣብተን ናይ መወዳእታ ሰሙናት ዝነበረ ኣተሓሕዛ ባይደን`ዮም ሕቶታቶም ክጽዕቑ ደልዮም ዘለዉ። ደሞክራት ድማ ነቲ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመታት ፕረዚደንታት ዝተቐያየርሉ ኩነታት ኣፍጋኒስታን ክግምገም ይደልዩ።

ነቲ ኩናት ኣብ 2001 ዝጀመሮ ጆርጅ ቡሽ`ዩ- ነቲ ሓንጻጺ መጥቃዕቲ መስከረም 11 ዝኾነ ኣል-ቃዒዳ ካብ ኣፍጋኒስታን ንምምሓው ዝተገብረ ወተሃደራዊ ወፍሪ።

ባይደን ብወገኑ ነቲ ምውጻእ ሰራዊት ካብ ኣፍጋኒስታን ዕዉት ኔሩ ብምባል`ዩ ዝከላኸል`ዘሎ- ንሓላፍነት ምምሕዳር ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣብ ኣፋጋኒስታን- ናብ 4ይ ፕረዚደንት ኣመሪካ ከሕልፎ ኣይደልን`የ ድማ ይብል።

XS
SM
MD
LG