ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንተኒ ብሊንከን፡ ብዛዕባ`ቲ ካብ ኣፍጋኒስታን ምውጻእ ዝነበረ ሕንፍሽፍሽ ምላሽ ንክህብ ሎሚ ኣብ ቅድሚ ባይቶ ኣመሪካ ቀሪቡ ውዒሉ`ሎ። ፕረዚደንት ባይደን ኣብ ምውጻእ ኣመሪካውያንን ኣፍጋኒስታውያንን ዘርኣዮ ኣተሓሕዛ፡ ንሪፓብሊካውያን ሓገግቲን ገለ ደሞክራሲያውያን ብጾቱን ብኸቢድ ተነቒፉሉ`ዩ። ባይደን ግን ዕዉት ምውጻእ`ዩ ክብል ይከላኸል።
እቲ ነቐፈታ ብፍላይ ዝበዝሓ፡ ኣብቲ ግዜ ምውጻእ ከለዉ 13 ወተሃደራት ኣመሪካ ብመጥቃዕቲ ቦምብ ድሕሪ ምቕታሎም`ዩ።እዚ ድማ ኣመሪካ ካብ`ቲ ኣብ ታሪኻ ዝነውሐ ዝብሃል ኩናት ኣፍጋኒስታን ብታህዋኽ ኣብ ትወጻሉ ዝነበረት እዋን ዘጋጠመ'ዩ።
ነቲ ኩነታት መልሲ ክህበሉ`ዩ`ምበኣር ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣንተኒ ብሊንከን ሎሚ ኣብ ቅድሚ ኮሚቴ ጉዳያት ወጻኢ ባይቶ ወከልቲ ዝቐርብ ዘሎ። ጽባሕ ሰሉስ`ውን ብዛዕባ ተመሳሳሊ ጉዳይ ኣብ ሰነት ክቐርብ`ዩ ።
ዝተኣከበ ርእይቶ ህዝቢ ከምዘርኣዮ እንተኾይኑ፡ ባይደን ነቲ `መወዳእታ ዘይብሉ` ዝብሃል ኩናት ኣፍጋኒስታን ከኽትሞ ዝድግፍ`ዩ ኔሩ-ነገር ግን በቲ ዝተራእየ ዓይነት ሕንፍሽፍሽ ክኸውን ኣይነበረን።
ሕጂ ብሊንከን ኣብ ኮንግረስ ከበድቲ ሕቶታት ይጽበዮ`ሎ - ሓደ ካብኡ ስለምንታይ እቲ ምውጻእ ኣቐዲምኩም ዘይጀመርክምዎ? ባይደን ፡ ብፕረዚደንት ነበር ትራምፕን ጣሊባንን- ንዝተገብረ ስምምዕ ምውጻእ ከምዘተግብሮ ቃል ኣትዩ ኔሩ እንድዩ? ዝብል`ዩ።
ኣባላት ባይቶ ብዛዕባ ቅልጡፍ ምቁጽጻር ጣሊባንን ምውዳቕ መንግስቲ ካቡልን ኣብ ምሕባር ፈሺልኩም ኢኹም ብዝብል ንኣገባብ ምእካብ ሓበረታ ስለያ`ውን ክነቕፉ ጸኒሖም`ዮም- ።
ሕጂ ሪፓብሊካውያን ኣብተን ናይ መወዳእታ ሰሙናት ዝነበረ ኣተሓሕዛ ባይደን`ዮም ሕቶታቶም ክጽዕቑ ደልዮም ዘለዉ። ደሞክራት ድማ ነቲ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመታት ፕረዚደንታት ዝተቐያየርሉ ኩነታት ኣፍጋኒስታን ክግምገም ይደልዩ።
ነቲ ኩናት ኣብ 2001 ዝጀመሮ ጆርጅ ቡሽ`ዩ- ነቲ ሓንጻጺ መጥቃዕቲ መስከረም 11 ዝኾነ ኣል-ቃዒዳ ካብ ኣፍጋኒስታን ንምምሓው ዝተገብረ ወተሃደራዊ ወፍሪ።
ባይደን ብወገኑ ነቲ ምውጻእ ሰራዊት ካብ ኣፍጋኒስታን ዕዉት ኔሩ ብምባል`ዩ ዝከላኸል`ዘሎ- ንሓላፍነት ምምሕዳር ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣብ ኣፋጋኒስታን- ናብ 4ይ ፕረዚደንት ኣመሪካ ከሕልፎ ኣይደልን`የ ድማ ይብል።