ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚ/ጉ/ወ ኣመሪካ ናብ ኢትዮጵያን ኒጀርን ንምብጻሕ ነቒሎም


ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንተኒ ብሊንከን -ፋይል
ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንተኒ ብሊንከን -ፋይል

ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንተኒ ብሊንከን ናብ ኒጀርን ኢትዮጵያን ዝጠምር ዑደቱ ንምፍላም ሎሚ ሰሉስ ነቒሉ ኣሎ። ብሊንከን ጽባሕ ረቡዕ ኣዲስ-ኣበባ ክኣቱ መደብ ተታሒዙሉ'ሎ። ብመሰረት ሓበሬታ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ቀንዲ ዕላማ'ዚ መገሻ፡ ጽልዋ ቻይና ኣብ ኣፍሪቃ እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ኣመሪካ ምስ ኣፍሪቃ ዘለዋ ጽምዶ ዝያዳ ንምሕያል`ዩ።

ብሊንከን ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝኣትወሉ እዋን ብዛዕባ`ቲ ኣብ ክልል ትግራይ ግጭት ዘዕረፈ ውዕል ሰላም ምስ ሰበ-ስልጣን ከም ዝዘራረብ ተጠቒሱ`ሎ።

ብሊንከን፡ ኣዲስ-ኣበባ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን ምስ መራሕቲ ክልል ትግራይን ሲቪካዊ ማሕበራትን’ውን ክራኸብ መደብ ተታሒዙ ከም ዘሎ ዝበጽሓና ዜና ኣፍሊጡ።

ሚንስተር ወጻኢ ኣመሪካ ኣንተኒ ብሊንከን፡ ጽባሕ ድሕሪ ፋዱስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ራስ መኮነን ኣዳራሽ ጋዜጣዊ መግለጺ ከም ዝህብ`ውን ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝመጻና ዜና ሓቢሩ`ሎ።

ብሊንከን ብተወሳኺ ምስ ኮሚሽነር ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋኪ ማሃማት ኣብ ዝራኸበሉ እዋን ድማ፡ ነቲ ንኣመሪካ ከቢድ ስክፍታ ፈጢሩላ ዘሎ ጽልዋ ሩስያን ቻይናን ኣመልኪቱ’ውን ክዝቲ ትጽቢት ይግበር።

ኣብ ኒጀር ድማ ብዛዕባ`ቲ ኣብ ዞባ ሳሕል ኣንጻር እስላማዊ ጥሩፍነት ዝካየድ ጻዕርታት ጸረ-ግብረሽበራ ክዛተ ምዃኑ ክፍለጥ ተኻኢሉ`ሎ።

መገሻ ብሊንከን ኣብዚ ዓመት ጥራሕ ናብ ኣፍሪቃ ዝግበር ዘሎ ሳልሳይ ዝለዓለ ዑደት ኣባላት ምምሕዳር ባይደን`ዩ። ኣብ ምውዳእ`ዚ ወርሒ መጋቢት`ውን፡ ምኽትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ካመላ ሃሪስ ኣብ ጋና ታንዛንያን ዛምቢያን ብምብጻሕ ኣብ ኣፍሪቃ ሰሙን ክትጸንሕ`ያ።

XS
SM
MD
LG