ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚ/ጉ/ወ ኣመሪካ: ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ትወስዶ ስጉምቲ ከቢድ ሳዕቤን ከምዝህልዎ የጠንቅቑ


ሚ ጉ ወ ኣመሪካ ምስ ፕረዚደንት ላቲቭያ
ሚ ጉ ወ ኣመሪካ ምስ ፕረዚደንት ላቲቭያ

ሩስያ አንጻር ዩክረይን ስጉምቲ እንተወሲዳ፣ ሓደገኛ ሳዕቤን ከምዝህልዎ’ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ገሊጾም።

ምስ ናይ ላትቪያዊ መዘነኦም ኮይኖም ሓባራዊ መግለጺ ዝሃቡ ብልንክን ንምንቅስቃስ ሰራዊት ሩስያ ኣብ ጥቃ ዶብ ዩክረይን፣ 'ኣሻቃሊ' ክብሉ ገሊጾምዎ።

ሰራዊት ሩስያ ይገብሮ ዘሎ ምቅርራባት፣ ኣጀንዳ እቲ ሎሚን ጽባሕን ዝሳለጥ ኣኼባ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ) ከምዝኾነ’ውን እቲ ዜና ይሕብር። ኣንቶኒ ብሊንከን ወሲኾምድሕሪ ምስ ኔቶ ዝህልው ምምኽኻር፣ ብዙሕ ዝብሎ ነገር ኣለኒ ኢሎም።

ዋና ጸሓፊ ኔቶ የንስ ስቶለንበርግ ብወገኖም ‘ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ትፍንዎ መጥቃዕቲ፣ ከቢድ ፖለቲካዊን ቁጠባዊን ሳዕቤን ከኽፍላ እዩ’ ኢሎም ኣለው።

XS
SM
MD
LG