ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚ/ጉ/ወ ኢጣልያን ቱኒዝያን ተራኺቦም ተዘራሪቦም


ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢጣልያ ብረቡዕ 18 ጥሪ 2023 ምስ ናይ ቱንዝያ መዘንኡ ኣብ ቱኒዝ ተራኺቡ ብዛዕባ ምጉዳል ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ተዘራሪቡ። ነቲ ዘይሕጋዊ ስደት ንምንካይ ሕጋዊ ምእታው ክውስኽ ከም ዝተመያየጡ`ውን ተሓቢሩ`ሎ።

ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢጣልያ ኣንቶንዮ ታጃኒ፡ኣብ ቱኒዝ ምስ ፕረዚደንት ከይስ ሰዒድ ድሕሪ ምርኻቡ፡ ኣብ ቱንዝያ ሰልጢኖም ኣብ ኢጣልያ ክሰርሑ ንዝደልዩ ሰባት ብሕጋዊ መንገዲ ክኣትዉ ዕድል ክንከፍት ኢና፡ እዚ ድማ ነቲ ብዘይሕጊ ዝግበር ምስሏኽ ክንክየልና ይኽእል`ዩ ኢሉ።

ታጃኒ ወሲኹ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ወፍሪ ምሕያል፡ ዂናት ኣንጻር ግብረ-ሽበራ ከምኡ ምንካይ ድኽነትን ምክልኻል ለውጢ ክሊማን ኣካል ናይቲ ዘትኦም ምንባሩ ብምጥቃስ፡ ኣፍሪቃውያን ናብ ኤውሮጳ ዝኣትዉሉ ዘይኮነስ ኣብ ሃገራቶም ዝጸንሕሉ ዕድላት ክንከፍተሎም ኣለና ኢሉ።

እቲ ሚንስተር ጉዳያት ወፃኢ ኢጣልያ ብምውሳኽ "ኣፍሪቃውያን መንእሰያት ናብ ዓዶም ክምለሱ ክነፍቅደሎም ኣለና" ኢሉ ።

XS
SM
MD
LG