ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

"ቻይና ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝነበረ ዓለምለኸ ጸቕጢ ንምክልኻል ኣገዳሲ ተራ ተጻዊታ'ያ" ሚ/ጉ/ወ ኢትዮጵያ


ወሃቢ ቓል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ
ወሃቢ ቓል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ

ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተኻየደ ሕጊ ናይ ምኽባር ወፍሪ፡ ቻይና ዝሃበቶ ድጋፍ ዝነኣድ`ዩ ኢሉ።

ወሃቢ ቓል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ሎሚ ንሪፖርተራት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ዓለም ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ጸቕጢ ኣብ ዝገብረሉ ዝነበረ እዋን ቻይና ነቲ ጸቕጢ ኣብ ምክልኻል ኣገዳሲ ተራ ተጻዊታ`ያ ኢሉ።

ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ኣብቲ መግለጺኡ፡ ሚንስተር ወጻኢ ኢትዮጵያ ደመቀ መኮነን፡ ንፍሉይ ልኡኽ ቻይና ንቀርኒ ኣፍሪቃ ተቐቢሉ ኣብ ዘዘራረበሉ እዋን፡ ቻይና ነቲ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝዓርፍ ዝነበረ ዓለማዊ ጸቕጢ መኣዝን ኣብ ምትሓዝ ዝተጻወተቶ ተራ ልዑል ቦታ ዝውሃቦ ምዃኑ ምጥቃሱ ሓቢሩ`ሎ።

ኣምባሳደር ዲና ኣብቲ ናይ ሎሚ ጋዜጣዊ መግለጺኡ ብዛዕባ ካብ ስዑዲ ዓረብ ዝምለሱ ኢትዮጵያውያን`ውን ተዛሪቡ ኔሩ፡ 35 ሺሕ ኢትዮጵያውያን ናብ ዓዶም ክምለሱ ምምዝጋቦም'ውን ሓቢሩ።

XS
SM
MD
LG