ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚ/ጉ/ወ ኢትዮጵያ መንግስቲ ዂናት ሰሜን ኢትዮጵያ ብሰላም ክዛዘም ስጉምቲታት ይወስድ ኣሎ ይብል


ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ -ፋይል
ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ -ፋይል

ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ መንግስቲ ግጭት ሰሜን ኢትዮጵያ ብሰላም ክዛዘም ዘኽእሉ ስጉምትታት ኣብ ምውሳድ ይርከብ ኣሎ ኢሉ።

ወሃቢ ቃል እቲ ሚንስትሪ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ሎሚ ኣብ ዝሃቡዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ሰላም ንምስፋን መንግስቲ ምስ ዝተፈላለያ ሃገራትን ዓለምለኸ ትካላትን ኣብ ምዝርራብ ከምዝርከብ ሓቢሮም።

ዘይተገደበ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ክልል ትግራይ ንክኣትው ምስ ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ብምትሕብባር ኣብ ምስራሕ ከምዝርከብ ዝሓበሩ ኣምባሳደር ዲና እዚኦም ኩሎም መንግስቲ ንሰላም ካብ ዘለዎ ድልየት ዝፍልፍል እዩ ኢሎም።

ክልል ትግራይ ግን ዝኣተወን ዝኣትው ዘሎን ረድኤት እኹል ኣይኮነን፣ኣብ ባንኪ፣ቴሌኮምኒኬሽ፣ሓይሊ መብራህትን ዘሎ ዕፅዋ ብምቕፃሉ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ከቢድ ጉድኣት ይወርድ ኣሎ ክብል ብተደጋጋሚ ይገልፅ።

XS
SM
MD
LG