ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚ/ጉ/ወ ቻይና ምስ ናይ ኢትዮጵያ መዘነኦም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተራኺቦም: ተዘራሪቦም


ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ሎሚ ንጉሆ ኣዲስ ኣበባ ምእታዎምን ምስ ኣብ ቦሌ መዕርፎ ነፈርቲ ዝተቐበልዎም ምኽትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ደመቀ መኮነን ተራኺቦም ኣብ እዋናዊ ኩነታት ምዝርራቦምን ተሓቢሩ። ነዚ ዝሓበሩ ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ዑደት እቶም በዓል ስልጣን ቻይና ኣብ እዋን ጸገም ኢትዮጵያ ዘለዎም ምሕዝነት ንምግላጽ'ዩ ኢሎም።

ኣምባሳደር ረድዋን ሑሰን ብወገኖም ኣብ ናይ ቲዊተር ገጾም እዚ ዑደት ካብ ኢትዮጵያ ቀልጢፍኩም ውጹ ናብኣ ኣይትእተዉ ኣብ ዝበሃለሉ ግዜ ምኻኑ ጠቂሶም "ሰፊሕ ተቃርኖ" ክብሉ ገሊጾም።

XS
SM
MD
LG