ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚ/ጉ/ወ ሩስያ ኣብ ኡጋንዳን ዲሞክራቲክ ሪፖብሊክ ኮንጎን በጺሖም


ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርጌይ ላቭሮቭ ምስ ፕረዚደንት ኡጋንዳ ዩወሪ ሙሰቨኒ
ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርጌይ ላቭሮቭ ምስ ፕረዚደንት ኡጋንዳ ዩወሪ ሙሰቨኒ

ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርጌይ ላቭሮቭ ኣብ ኡጋንዳ ናይ ክልተ መዓልታት ምብጻሕ አካይዶም።

ንሶም ምስ ፕረዚደንት ኡጋንዳ ዩወሪ ሙሰቨኒ ከምኡ'ውን ናይ ኡጋንዳ መዘነኦም የዪ ኦዶንጎ ተራኺቦም:ተዘራራሪቦም።

ቅድሚ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ሩስያ መገሻ ፈጺሞም ዝነበሩ ፕረዚደንት ሙሰቨኒ፣ ኣብ ሞንጎ ክልቲኤን ሃገራት፣ ኣብ ምክልኻል፣ ጸጥታ፣ ቁጠባዊን ቴክኒካዊን ጽምዶ ንክቅጽል ሓቲቶም ከምዝነበሩ መንግስቲ ኡጋንዳ ኣብ ዝዘርገሖ መግለጺ ጠቂሱ ኣሎ።

ሚንስትር ላቭሮቭ ኣብዚ ናይ ኣፍሪቃ ዑደቶም ኣብ ግብጺ፣ዲሞክራቲክ ሪፖብሊክ ኮንጎ: ኡጋንዳን ኢትዮጵያን በጺሖም ኣለው ።

XS
SM
MD
LG