ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚ/ጉ/ወፃኢ ኣመሪካ ምስ ኣፍሪቃ ዝግበር ሸርክነት ቀንዲ መልእኽቲ ናይ ኣፍሪቃ ዑደቶም ምዃኑ ይገልጹ


ሚ/ጉ/ወፃኢ ኣመሪካ ምስ ኣፍሪቃ ዝግበር ሸርክነት ቀንዲ መልእኽቲ ናይ ኣፍሪቃ ዑደቶም ምዃኑ ይገልጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:39 0:00

ሚ/ጉ/ወፃኢ ኣመሪካ ምስ ኣፍሪቃ ዝግበር ሸርክነት ቀንዲ መልእኽቲ ናይ ኣፍሪቃ ዑደቶም ምዃኑ ይገልጹ

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ሰለስተ ሃገራት ኣፍሪቃ ዘካየድዎ ዑደት ትማሊ ሓሙስ ናብ ሩዋንዳ ብምብጻሕ ዛዚሞም። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዝበፅሑለን ሃገራት ኣመሪካ ምስ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ሓቂ ዝተመስረተ ምሕዝነት ክህልዋ ከምትደሊ ኣተኹሮም መልእኽቲ ኣሕሊፎም። ጎንፅታት ንምፍታሕ ዝግበሩ ዞባዊ ፃዕርታት ብምድጋፍን ኣብ ዝፈጥርዎም ሽርክናታት ንምውሳን ከምዘይኮነ ፃዕራ ሓቢሮም።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ትማሊ ሓሙስ ኣብ ሩዋንዳ ድሕሪ ምብፀሖም ምስ ፕረዚደንት ፓውል ካጋሚ ኣብ ርእሰ ከተማ ኪጋሊትማሊ ሓሙስ ብዘካየድዎ ዘተ ኣብ ኣፍሪቃ ዝነበሮም ዑደት ዛዚሞም። ብሊንከን ንሪፖርተራት ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ንሰብኣዊ መሰላት ኣመልኪቶም ሻቅ፟ሎት ዘሕደሩሎም ነጥብታት ምልዓሎምን ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ዴሞክራቲክ ረፐብሊክ ኮንጎ ኮኑ ኣብ ውሽጢ ኮንጎ ንዝርከቡ ደባይ ተዋጋእቲ ዝግበር ዝኾነ ሓገዝ ጠጠው ክብል ከምዝግባእ ፀዊዖም።

XS
SM
MD
LG