ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚ/ጉ/ወጻኢ ዚምባብወ ንመንግስቱ ሃይለማርያም ንኢትዮጵያ ከረክቡዎ ከም ዝኽእሉ ይሕብር


ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዚምባብወ ኣምባሳድር ፍረደሪክ ሻቫ፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብግቡእ መስመር ናብ መንግስቲ ዚምባብወ ሕቶ እንተ ኣቕሪቡ፡ ንወታሃደራዊ መራሒ ኢትዮጵያ ነበር መንግስቱ ሃይለማርያም ከረክቡዎ ድሉዋት ምዃኖም ሓቢሩ። ሚኒስተር ሻቫ ምስ ድምጺ ኣመሪካ ኣገልግሎት ቋንቋ ዚምባብወ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መጠየቕ፡ ነቲ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ መንግስቲ እታ ሃገር ክኽተሎ ዝጸንሐ ኣዝዩ ዝተፈልየ ሓሳብ ኣቕሪቡ'ሎ።

ወታሃደራዊ መራሒ ኢትዮጵያ ነበር መንግስቱ ሃይለማርያም፡ ካብ 1991 ኣትሒዙ ምስ ስድራኡ ኣብ ዚምባብወ ዑቕባ ሓቲቱ ዝነበር ዘሎ ኰይኑ፡ ኣብ 2008 ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተኻየደ ቤት ፍርዲ ኣብ ዘይነበረሉ እዋን ንሞት ተፈሪዱ ነይሩ። ኮሎነል መንግስቱ ሃይለማርያም ብቕትለት ሰለማዊ ህዝቢ፡ ህልቂትን ምጥፍፋእ ንብረት ሃገርን’ዩ ብቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ገበነኛ ኰይኑ ተረኺቡ ናይ ሞት ፍርዲ ተበዪኑሉ ነይሩ። እንተዀነ፡ መራሕቲ መንግስቲ ዚምባብወ ዑቕባ ከም ዝሓተተ መጠን ኣሕሊፎም ከም ዘይህቡዎ ክገልጹ’ዮም ጸኒሖም'ዮም።

XS
SM
MD
LG