ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚ/ጉ/ወጻኢ ኣንተኒ ብሊንከን ምስ ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ ተራኺቡ ዘትዩ


ዋዕላ መራሕቲ ኣፍሪቃን ኣመሪካን ኣብ ዝቐጸለሉ እዋን፡ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንተኒ ብሊንከን ምስ ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ትማሊ ሰሉስ ታሕሳስ13,2022 ኣብ ዋሺንግተን ተራኺቡ ዘትዩ። ድሕሪ`ቲ ዝርርብ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣብ ናይ ትዊተር ገጹ ኣብ ዘስፈሮ መልእኽቲ፡ ብዛዕባ ምትግባር ውዕል ሰላም ዛጊት ዘሎ ገስጋስን ብኹሎም ወገናት ምትግባሩ ኣብ ሕውየት ኢትዮጵያ ዝህልዎ ኣወንታዊ ውጽኢትን ምምይያጡ ጠቒሱ`ሎ። ኢትዮጵያ ሰላም ንምስፋን ኣብ ትገብሮ ጻዕሪ ኣመሪካ ንዝገበረቶ ኣበርክቶ ኣድናቖቱ ንምግላጽ “ሽርክነትና ንምሕያል ኣብ ዝከኣለሉ ጉዳያት ተመያይጥና ኣለና" ኢሉ። ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ምስ ኣማኻሪ ሃገራዊ ጸጥታ ኣመሪካ ጀይክ ሱሊቫን`ውን ተራኺቡ`ሎ።

እቲ ርክብ ኣብ ጎኒ ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ መራሕቲ ኣፍሪቃን ኣመሪካን`ዩ። ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ብሊንከንን ሚንስተር ምክልኻል ኣመሪካ ሊዮድ ስቲንን ምስ መራሕቲ ኣፍሪቃ በብውልቂ ምርኻቦም ቀጺሎም ኣለዉ።

ብዕድመ ፕረዚደንት ባይደን ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ መራሕቲ ኣፍሪቃን ኣመሪካን ድሕሪ ዕጽዋ ለበዳ ኮቪድ19 ኣብ ዋሺንግተን ዝካየድ ዘሎ ዝዓበየ ኣህጉራዊ ምትእኽኻብ`ዩ።

ዋይት ሃውስ ኣብ መንጎ ኣፍሪቃን ኣመሪካን ዘሎ ናይ ምትእምማን ክፍተት ንምጽባብ ዝዓለመ`ዩ ክብል ገሊጹ'ሎ። እቲ ትማሊ ሰሉስ ጀሚሩ ጽባሕ ሓሙስ ዝውድእ ዋዕላ ኣብ ከም ለበዳ ኮቪድ19: ለውጢ ክሊማ: ወራር ሩስያ ኣብ ዩክሬን ከምኡ ብዛዕባ ንግዲ ዝዝቲ ዘሎ ምዃኑ ክፍለጥ ተኻኢሉ`ሎ።

ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ብሊንከን ትማሊ ምስ መራሕቲ ጅቡቲ:ሶማል: ኒጀር ከምኡ`ውን ኣንጎላ ተራኺቡ ኔሩ`ዩ። ፕረዚደንት ባይደን ንሕብረት ኣፍሪቃ ኣባል`ተን ጉጅለ 20 ዝብሃላ ሃገራት ክትከውን ይደሊ ከምዘሎ ዋይት ሃዋስ ኣፍሊጡ`ሎ። ነቲ ጻዕሪ ዝመርሕ ድማ ንነባር ዲፕሎማት ጆኒ ካርሰን ከም ዝሾሞ ተጠቒሱ`ሎ።

እቲ ዋዕላ መራሕቲ ኣፍሪቃን ኣመሪካን ሎሚ ረቡዕ ኣብ መድረኽ ንግዲ ኣፍሪቃ ዘተኮረ መደባት ኣብ ምስልሳል ውዒሉ`ሎ፡ ድሕሪ ቀትሪ ድማ ፕረዚደንት ጆ ባይደን እቲ ዋና መደርኡ ከስምዕ`ዩ፡ ምሸት ድማ ንኽብሪ`ቶም መራሕቲ ናይ ድራር እንግዶት ተዳልዩ`ሎ።

XS
SM
MD
LG