ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚ/ጉ/ወጻኢ ኣሜሪካ ፈላማይ መገሻ ኣብ ኣፍሪቃ ብርሕቐት አካይዶም


ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብልንክን፣ ነቲ ታሪኻዊ ዝተባሃለሉ መገሻ ብርሕቐት (ቨርችዋል) ኣብ ኣፍሪቃ ፈጺሞም። ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ብልንክን ኣብ ሽዱሽተ ከባቢታት ኣትዮም ምስ ጸለውቲ መራሕቲ ዝኾኑ ፕረዚደንታት ኬንያን ናይጀርያን ተዘራሪቦም።

ንሶም እምነ መሰረት ፖሊሲ ወጻኢ ኣሜሪካ ብሰናይ ምሕደራ ኣቢልካ ንሰብኣዊ መሰላት ምዕቃብ ዝብል እዩ ኢሎም ። ሚኒስትር ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንትንይ ብልንክን ነዚ ኣምር’ዚ ምስ መናእሰያት መራሕቲ ኣፍሪቃ ኣብ ዝተራኸብሉ እዋን ደጋጊሞም ተዛሪቦምሉ ኣለው።

ኣብ’ቲ ብቪድዮ ካብ ርሕቀት ዝተገብረ ልዝብ ቀንዲ መዘራረቢ "ዓሰርተ ሕቶታት ንቶንይ" ዝብል እዩ ነይሩ ። እንተኾነ መናእሰያት ኣፍሪቃ ነቶም ናይ ኣሜሪካ ዝላዓሉ ዲፕሎማት ዝኾኑ ብልንክን ክብድ ክብድ ዝበሉ ሕቶታት ካብ ምልዓል ዓዲ ኣይወዓሉን።

"ኣብ ኣፍሪቃ ሰላምን ጸጥታን መታን ክዓስል ምስ መሻርኽትና ኮይና ንምስራሕ ተበጊስና ኢና። ኣብ ሓጺር ሸቶ፣ ጸጥታዊ ምሕዝነት፣ ምውጋድ ጎንጺታትን ዲፕሎማሲ ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ክኸውን ይኽእል እዩ። እቲ ነባሪ ነገር ግና፣ ሃገራት ንዴሞክራሲያዊ ትካላት ንከክሐይላ ምሕጋዝ እዩ ዝግባእ" ኢሎም።

ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ብዛዕባ ኣብ ኣፍሪቃ ጸላዊት ትኸውን ኣላ ትባሃል ቻይና’ውን ተዛሪቦም እዮም።

"ሃገራት ኣፍሪቃ ምስ ዝተፈላለያ ሃገራት ምሕዝነት ክፈጥራ እየን። ቻይና፣ ፈረንሳ፣ ቱርኪ፣ ብራዚል ትኹን ኣሜሪካ ማለተይ እየ። እቲ ኣነ ተስፋ ዝገብሮ ግና፣ ሃገራት ኣፍሪቃን ኣፍሪቃዊያንን ንኩሎም እዞም ጽምዶታት ብግቡእ ክትምልከትዎምን እዩ።"

ብልንኪን ኣብ ዘረበኦም "ኣፍሪቃ፣ ኣሜሪካ ተዳምጸኩም ኣላ" ክብሉ ዘረበኦም ደምዲሞም ።

XS
SM
MD
LG