እስራኤል ሎሚ`ውን ንቓዛ ብደብዳብ ነፈርቲ ምሕራሳ ቀጺላ`ላ። እስራኤል ኣብ ናይ ሎሚ ደብዳባ ሓማስ ዝጥቀመሉ ዝበለቶ ገለርያታት፡ ከምኡ ድማ ገዛውቲ ኣዘዝቲ ዕጡቓት ሓማስ ዒላማ ጌራ`ላ።
ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንተኒ ብሊንከን፡ ዕጡቓስ ሓማስን ካልኦት ሚልሻታትን ናብ እስራኤል ዝትኩስዎ ሮኬታት ብቕጽበት ደው ከብልዎ ኣለዎም ኢሉ። ኣተሓሒዙ እስራኤል ነብሳ ናይ ምክልኻል መሰል`ኳ እንተለዋ፡ ንሲቪላት ዘይምጉዳእ ሓላፍነት`ውን ኣለዋ።
ብሊንከን ኣተሓሒዙ፡ ኣመሪካ ነቲ ግጭት ንምዕራፍ ብድሕሪ መጋረጃ ብጻዕቒ`ያ ትሰርሕ ዘላ ብምባል ምስ መራሕቲ ግብጺ: ቐጠር: ፓኪስታን ስዑድያ ከምኡ`ውን ፈረንሳ ርክባት ትገብር ከምዘላ ኣፍሊጣ።
እዚ ናይ ሎሚ ርእይቶ ዝስማዕ ዘሎ፡ ትማሊ ሰንበት፡ ናይ እስራኤል ቀዳማይ ሚኒስትር በንጃሚን ነተንያሁ ነቲ ደብዳብ ነፈርቲ ኣብ ቀረባ ደው ከምዘየብሎ ድሕሪ ምሕባሩ`ዩ። ትማሊ ሰንበት ነፈርቲ ኩናት እስራኤል ኣብ ቓዛ ንሰለስተ ህንጻታት ኣዕኒየን ብውሕዱ 42 ሰባት ተቐቲሎም`ዮም።
ሓማስ ትማሊ ሰንበት ናብ እስራኤል ሮኬታት ይትኩስ ኔሩ-ሓደ ኣብ ሲናጎጉ ምዕላቡ ይግለጽ ኣሎ። ዛጊት በቲ ግጭት 58 ቆልዑትን 34 ደቀኣንስትዮን ዝርከብዎም 197 ፍልስጤማውያን ከምዝተቐተሉ ሚኒስትር ጥዕና ቓዛ ገሊጹ`ሎ። ካብ ወገን እስራኤል ድማ ሓደ ወዲ ሽዱሽተ ዓመት ዝርከቦም 10 ሰባት ሙሟቶም ይግለጽ።