ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚ/ጉ/ወጻኢ ኣሜሪካ ምስ ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ብስልኪ ምዝርራቦም ተገሊጹ


ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ማይክል ፖምፒዮ ምስ ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ሎሚ ዓርቢ ብስልኪ ከምዝተዘራረቡ ተፈሊጡ። ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ፖምፒዮ ዶ/ር ኣብዪ መበል 100 ተዓዋቲ ናይ ሰላም ኖቤል ሽልማት ብምዃኖም እንኳዕ ሓጎሰኩም ኢሎምዎም።


ኣገዳስነት ፅኑዕ ምሕዝነት ኣሜሪካን ኢትዮጵያን ዝገለፁ ፖምፒዮ ሃገሮም ኢትዮጵያ እተካይዶ ንዘላ ታሪኻዊ ለውጥታት ከምእትድግፍ ሓቢሮም።ኣብ ኦሮሚያ ኣብ ቀረባ ብዛዕባ ዝተፈጥረ ህውከት፣ ተቓውሞን ናይ ዓሌታዊ ግጭታት ብድሆን ብሰላማዊ ኣገባብ ንምፍታሕ ተዘራሪቦም ኣለው።

ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪን ፓምፒዮን ኣብ ዞባዊ ጉዳያት እውን ተዘራሪቦም ኣለው።ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ኣብ ደቡብ ሱዳን ነባሪ ሰላም ንምርግጋፅ ክሕግዙ ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ፓምፒዮ ምሕታቶም’ውን ተሓቢሩ’ሎ።

XS
SM
MD
LG