ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚ/ጉ/ወጻኢ ኣመሪካ ኣንተኒ ብሊከን ብቫይረስ ኮሮና ምትሓዞም ተሓቢሩ


 ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንተኒ ብሊንከን -ፋይል
ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንተኒ ብሊንከን -ፋይል

ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንተኒ ብሊንከን፡ ትማሊ ብቫይረስ ኮቪድ ድሕሪ ምትሓዙ፡ ንክግለል ተገይሩ።

እቲ ንላዕለዋይ ዲፕሎማት ኣመሪካ ምሉእ ክታበትን መበራትዒ ክታበትን ዝወሰደ ምዃኑ ተፈሊጡ'ሎ። ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ብሊንከን ምስ ፕረሲዚደንት ባይደን ንብርክት ዝበለ መዓልታት ስለዘይተራኸበ ድማ ባይደን ኣብ ሓደጋ ናይ ምትሕልላፍ ኣይኮነን ኢሉ`ሎ ። እቲ መግለጺ ወሲኹ ኣንተኒ ብሊንከን ትሕት ዝበለ ምልክታት ጥራይ ይስምዖ ስለዘሎ፡ ካብ ማዕዶ ኮይኑ ሰርሑ ክቕጽል ይኽእል`ዩ ይብል ።

ብሊንከን ብዙሕ ትጽቢት ዝተገብረሉን ንጽባሕ ሓሙስ ክገብሮ ዝነበረን ንፖሊሲ ቻይና ዝምልከት መደረ ግን ንኻልእ ግዜ ተናዊሑ`ሎ።

XS
SM
MD
LG