ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚ/ጉ/ ወጻኢ ኣመሪካ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ምስ ፕረ.ኬንያን ናይ ደ/ኣፍሪቃ ሚንስተርን ተዘራሪቦም


ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኔድ ፕራይስ
ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኔድ ፕራይስ

ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንተኒ ብሊንከን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ድሕሪ ቁሩብ ሰዓታት ክጅመር'ዩ ተባሂሉ ትጽቢት ዝግበረሉ ዘሎ ዘተ ሰላም ኢትዮጵያ ብዝምልከት ምስ ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶን ምስ ሚንስተር ዓለምለኸ ምትሕብባርን ደቡብ ኣፍሪቃ ናሌዲ ፓንዶር ሎሚ ምዝርራቦም ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኔድ ፕራይስ ኣፍሊጦም።

ሚንስተር ብሊንከን ድሕሪ ዘካየድዎ ዝርርብ ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ትዊተር መልእኽቲ "ምስ ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ ሎሚ ተዘራሪብና ኣለና። ኣብ ጉዳይ ሰላምን ድሕነትን ኢትዮጵያን ከባቢኣን ዘለዎም መሪሕ ተራ ድማ የድንቖም" ኢሎም።

ንሶም ምስ ሚንስተር ፓንዶር ዘካየድዎ ዝርርብ ብዝምልከት ድማ "ምስ ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ደቡብ ኣፍሪቃ ልዝብ ሰላም ኢትዮጵያ ዝዕወተሉ ጉዳይ ተዘራሪብና ኣለና: ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብቲ ልዝብ ንዘለዋ ጠቃሚ ተራ ድማ ኣመስጊነ እየ" ኢሎም።

ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኔድ ፕራይስ ኣብ ዘውጽእዎን ኣብ መርበብ ሓበሬታ'ቲ ሚንስትሪ ዘስፈርዎ መግለጺ ብሊንከን ምስ ፕረ.ሩቶ ኣብ ዘካየድዎ ዝርርብ ኣብ ጉዳይ ሰላምን ድሕነትን ውሽጢ ኢትዮጵያን ከምኡ'ውን ምሉእ ምብራቕ ኣፍሪቃን ኬንያ ንዘለዋ "መሪሕ ተራ" ዝበልዎ ብዝምልከት ዝተዘራረቡ ክኾኑ ከለው ኣብ ወርሒ ታህሳስን ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ዝቓናዕ ብፕረዚደንት ባይደን ዝተዳለወ ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃን ኣመሪካን'ውን ከምዝተዘራረቡ መግለጺ'ቲ ወሃቢ ቃል ይሕብር።

መግለጺ ቤት ጽሕፈት ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ብተወሳኺ ብካልእ ወገን ሚንስተር ብሊንከን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ፕረዚደንት ባይደን ምስ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ሲሪል ራማፖሳና ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ተራኺቦም ምዝርራቦም ስዒቡ ኣብ መንጎ ክልቲኣን ሃገራት ኣብ ሓባራዊ ጥቕሚ ሓያል ምትሕብባረን ደጊሞም ኣረጋጊጾም ኣለው ይብል ።

XS
SM
MD
LG