ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚ/ጉ/ወጻኢ ኣመሪካ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያን ሶማልን ምስ ናይ ፕረዚደንት ኬንያ ምዝርራቦም ተገሊጹ


ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንተኒ ብሊንከን ኩነታት ኢትዮጵያን ሶማልን ሓዊሱ ኣብ ጉዳያት ዞባዊ ጸጥታን ሓባራዊ ረብሓን ምስ ናይ ኬንያ ፕረዚደንት ኤሁሩ ኬ​ንያታ ተዘራሪቦም ክብል መግለጺ ቤት ዕዮ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ገሊጹ።

ንኢትዮጵያ ብዝምልከት ኣድላይነት ህጹጽ ምቁራጽ ተጻብኦ: ብዘይዕንቅፋት ምብጻሕ ረድኤት: ጠጠው ምባል ምግሃሳት ሰብኣዊ መሰላትን ልዝብ መሰረት ዝገበረ ፍታሕ ነቲ ጎንጺን ኣብ ዝብሉ ጉዳያት ከም ዝተሰማምዑ እቲ መግለጺ ኣፍሊጡ'ሎ።

ብመሰረት እቲ መግለጺሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፥ ኣመሪካ ንጻዕርታት ሽምግልና ፕረዚደንት ኬንያታን ፍሉይ ል ኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ንቀርኒ ኣፍሪቃ ኦሊሰንጎ ኦባሳንጆን ዘለዋ ሓያል ደገፍ ገሊጾም እለዉ ።

ሶማል ብዝምልከት ኸኣ ምርጫ ኣባላት መራሕቲ ክፍለግዝኣታዊ ፌደራላዊ መንግስቲ ፓርላሜንታውን ፕረዚደንታውን ብቅልጡፍን ንተኣማንነት እቲ ውጺኢት ኣብ ሓደጋ ብዘየእቱ ካብ ዘይስሩዕ ኣካይዳ ነጻ ብዝኾነ ምክያዱ ኣድላይ ምኻኑ እቶም ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ከምዝመስመርሉ እቲ መግለጺ ገሊጹ'ሎ።

ኣመሪካ ንቀዳማይ ሚኒስተር ሮበለ ንምድስካል ዝተገብረ ፈተነ ከም ዝተቃወመቶ ዝጠቀሱ እቶም ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ፥ ኩሎም ወገናት ነቲ ኩነታት ዘጉሃህሩ ተግባራት ንኽቁጠቡ ክሰማምዑን ኣለዎም ኢሎም ኣለዉ።

ርእይቶታት ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG