ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚ/ጉ/ወጻኢ ኣመሪካ ምስ ቀ/ሚ ሱዳን ምዝርራቦም ተገሊጹ


ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ነድ ፕራይስ
ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ነድ ፕራይስ

ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ሎሚ ረቡዕ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ሱዳን ዓብዳላ ሓምዶክ ከምዝተዘራረቡ ወሃቢ ቃል እቲ ሚኒስትሪ ኔድ ፕራስ ገሊፆም።

ወታሃደራዊ ረፅሚ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ምስፍሕፍሕ ብዝምልከት ኣብ ክልል ትግራይ እናብኣሰ ይኸይድ ብዛዕባ ዘሎ ሰብኣዊ ኩነታትን ወታሃደራት ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ዳግም ይኣትው ኣለው ዝብሉን ኩሎም ኣብ ዞባዊ ምርግጋእ ተፅዕኖ ዘለዎም ናይ ሓባር ሻቐለቶም ተዘራሪቦም ኣለው።

ኣንቶኒ ብሊንከንን ሃምዶክን ኩሎም ወገናት ናይ ኢትዮጵያ ሓድነት ንምሕላውን ረድኤት ናብ ዘድልዮም ሰባት ምሉእ ብምሉእ ሰብኣዊ ተበፃሕነት ክረጋገፅን ቶኽሲ ደውንምባል ናብ ልዝብ ክኣትው፣ሓቛፊ ፖለቲካዊ ልዝብ ከካይዱ ንምትብባዕ ተሰማሚዖም ኣለው።

መግለፂ ወሃቢ ቃል ኔድ ፕራስ እቶም ሚኒስትር ወፃኢ ጉዳያት ወፃኢን ቀዳማይ ሚኒስትርን ኣብ ሱዳን ዴሞክራሲ ንምስፋሕን ርክባት ኣመሪካን ሱዳንን ንምሕያልን ተዘራሪቦም ኣለው ይብል ።

XS
SM
MD
LG