ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚ /ጉ/ወጻኢ ኣመሪካ ምስ ቀ/ሚ ሓምዶኽን ጀነራል ቡርሃንን ምዝርራቦም ተገሊጹ


ኣብ መንጎ ወታሃደራዊ መሪሕነት ሱዳንን ቀ/ሚ ዓብደላ ሓምዶኽን ዝተፈረመ ስምምዕ
ኣብ መንጎ ወታሃደራዊ መሪሕነት ሱዳንን ቀ/ሚ ዓብደላ ሓምዶኽን ዝተፈረመ ስምምዕ

ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፣ ምስ ቀ/ሚ ሱዳን ዓብደላ ሓምዱክን ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣል ቡርሃንን ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ከምዝተዘራረቡ ተፈሊጡ።

እቶም ሚኒስትር፣ ክልቲኦም መራሕቲ፣ ንጉዕዞ ዴሞክራሲ ሱዳን ናብ ኣንፈቱ ንክምልስዎ ብቅልጡፍ ንክብገሱ ኣተባቢዖም። ቀ/ሚ ካብ ማእሰርቲ ተፈቲሖም ናብ ስርሖም ዝተመለስሉ ፈላማይ ኣዎንታዊ ስዳሮ ኣፍልጦ ከምዝሃቡ ዝገለጹ ብሊንከን፣ ሱዳን ርኡይ ጉዕዞ ስግግር ይጽበያ ከምዘሎ ጠቂሶም።

ሚኒስትር ብሊንከን ህዝባዊ እምነት ንምሕዳር መታን ኩሎም ፖለቲካዊ እሱራት ንክፍትሑን ይትግበር ዘሎ አዋጅ ህጹጽ ጊዜ ንክላዓልን’ውን ጸዊዖም። ኩሎም ወገናት ነቲ ተጀሚሩ ዘሎ ዲሞክራሲያዊ ስጝር ንክምልእዎ፣ ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ሓይሊ ንከይጥቀሙ’ውን ተላብዮም።

ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ክልቲኦም መራሕቲ ንራኢ ህዝቢ ሱዳን ንምምላእ እቲ ቅድሚ ትማሊ ዝተኸትመ ውዕል ንክፍጽሙ ሓደራ ብምባል ክልቲኦም ወገናት ንኣገዳስነት ርክብ ሱዳንን ኣመሪካን ከምዘጉልሁ’ውን እቲ ዜና ጠቂሱ።

XS
SM
MD
LG