ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚ/ጉ/ወጻኢ ኣመሪካ ምስ ሚ/ጉ/ወጻኢ 10 ሃገራት ኣፍሪቃ ተራኺቦም:ተዘራሪቦም


ኣብ ኒውዮርክ ዝተቓነዐ ዋዕላ ውሕስና መግቢ
ኣብ ኒውዮርክ ዝተቓነዐ ዋዕላ ውሕስና መግቢ

ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፣ ኣብ ኒውዮርክ ናብ ዝሰላሰል ዓለምለኸ ዋዕላ ውሕስና መግቢ ንምስታፍ ምስ ዝመጹ ኣፍሪቃዊያን ሚንስትራት ጉዳያት ወጻኢ ተራኺቦም:ተዘራሪቦም።

ክልቲኦም ወገናት፣ ኣብ ምርግጋጽ ውሕስነት መግቢ ኣብ ኣፍሪቃ፣ ኣጋጢሙ ዘሎ ብድሆን ኣብ ምዕዋት’ዚ ወፍሪ፣ ኣመሪካን ዓለምለኸ ትካላትን ከበርክትዎ ዘለዎም ተኽእሎን ዝብሉን ዝተፈላለዩ ዛዕባታትን ዘትዮም።

ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ መደረኦም "ትኹረት ኣመሪካ፣ ምስ ኣፍሪቃዊያን መሻርኽታ ተሓባቢራ፣ ኣብ’ታ ብሰንኪ ለውጢ ክሊማን ኮቪድ19ን፣ ኩነታት ውሕስና መግቢ ይጋደደላ ዘሎ ኣህጉር፣ ውሕስና መግቢ ኣብ ምርግጋጽ ንዘሎ ብድሆ ምግጣም ዝብል ኮይኑ ኣሎ" ኢሎም።

ኣንቶኒ ብሊንከን ዘዘራረብዎም 10 ሚንስትራት ጉዳያት ወጻኢ ኮንጎ፣ ግብጺ፣ ጋቦን፣ ጋና፣ ኬንያ፣ ማውሪታንያ፣ ናይጀርያ፣ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ዛምብያን ሴነጋልን እዮም።

XS
SM
MD
LG