ዋሽንግተን —
ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ምስ ሩስያዊ መዘነኦም ሰርገይ ላቭሮቭ፣ ጎና ጎኒ እቲ ኣብ ከተማ ኒውደልሂ ህንዲ ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ ጉጅለ ሃገራት 20 ተራኺቦም ከምዝዘተዩ ተፈሊጡ።
ሰበ ስልጣን ኣመሪካ ክልቲኦም ሚንስትራት ጉዳያት ወጻኢ፣ ንኣስታት 10 ደቓይቅ ተራኺቦም ከምዝተዘራረቡ ጠቒሶም። ኣብ መንጎ ኣመሪካን ሩስያን ብዝለዓለ ደረጃ ርክብ ክግበር እዚ ናይ ሎሚ ንፈለማ ጊዜ እዩ።
ርክብ ብሊንክርንን ላቭሮቭን ዝተኻየደ፣ ሩስያ ኣብ ዩክሬን ዝኸፈተቶ ውግእ ኣብ ዝበርተዐሉ እዋን እዩ።
እዚ ከምዚ’ሉ ከሎ፣ ኣብ ኒውደልሂ ተኣኪቦም ዝዋዓሉ ሚንስትራት ጉዳያት ወጻኢ ኣባል ሃገራት ጉጅለ ሃገራት 20፣ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ብዛዕባ ዝፈጸመቶ ወራር ክረዳድኡ ከምዘይከኣሉ ዝመጸ ዜና ሓቢሩ። ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ህንዲ እቲ ክፍፍል፣ ጉጅለ 20 ሓባራዊ መግለጺ ንከየውጽእ ዕንቅፋት ኮይኑዎ ኣሎ ኢሎም።