ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚ/ጉ/ወጻኢ ብሪጣንያን ወኪል ዩኒሴፍ ኣብ ኢትዮጵያን ኣብ ክልል ዓፋር በጺሖም


ሚንስተር ጉዳያት ወፃኢ ብሪጣንያ ጄምስ ክለቨርልን ወኪል ዩኒሴፍ ኣብ ኢትዮጵያ ጊያኖፍራንኮ ሮቲግጅሊያኖንን ደርቂ ኣብ ልዕሊ ቆልዑን ስድራታትን ዘስዓቦ ተፅዕኖን ግብረ መልሲ ዩኒሴፍን ንምዕዛብ ኣብ ክልል ዓፋር በፂሖም።

እቶም ሚንስተር ጉዳያት ወፃኢ ብዩኬይኤድ ዝምወላ ዓበይቲ መካይን ኣብ መላእ እታ ሃገር ህፁፅ ረድኤት ንምብፃሕ ጠጠው ዝብላሉ ናይ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ቀፅሪ እውን ተዓዚቦም ኣለው።እዘን ናይ ፅዕነት መካይን ብፍሉይ ኣብ ክልል ዓፋር ንዝርከቡ ማሕበረሰባት ረድኤት ዘቕርባ እየን።

ክልቲኦም ሰበስልጣን ጄሚስን ሮቲግጅሊያኖን ብተወሳኺ ኣብ ክልል ዓፋር ወረዳ ዱብቲ ንዝርከብ ብዩኒሴፍ ዝሕገዝ ጉጅለ ተንቀሳቓሲ ጥዕናን መግብን ተዓዚቦም።

ኣብ ክፋላት ደቡብን ሰሜን ምብራቕን ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ኣብ ኣርብዓ ዓመታት ተራእዩ ብዘይፈልጥ ዝኸፍእ ደርቂ ን12.6 ሚሊዮን ቆልዑ ዝርከቡዎም ብድምር ልዕሊ 24.1 ሚሊዮን ዝግመቱ ሰባት ጸልዩ ይርከብ።

ከም ውፅኢት ኣብ ክልላት ትግራይ:ኣምሓራን ዓፋርን ዝነበረ ኲናትን ኣብ ክልላት ዓፋር: ኦሮሚያ ፣ ሶማልን ደቡብን ዘጋጠመ ደርቂን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝቅፅል ዓመተ 2023 16.5 ሚሊዮን ቆልዑን 7.8 ሚሊዮን ደቂ ኣንስትዮ ዝርከቡዎም 31.4 ሚሊዮን ሰባት ህፁፅ ሰብኣዊ ረድኤት የድልዮም።

XS
SM
MD
LG