ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚ/ጉ/ወጻኢ ህንዲ ኣብ ሩስያ ምብጻሕ የካይዱ


ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ህንዲ
ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ህንዲ

ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ህንዲ ብዛዕባ ቁጠባዊን ፖለቲካውን ጉዳያት ንምዝርራብ ሩስያ ይበጽሕ ኣሎ።

እቲ በዓል-ስልጣን ህንዲ ኣብቲ ናይ ክልተ መዓልታት ዑደቱ፡ ምስ መዘንኡ ሰርገይ ላብሮቭን ሚንስተር ንግዲ ሩስያ ደኒስ ማንትሮቭን ክራኸብ`ዩ።

ሩስያ ንዩክሬን ድሕሪ ምውራራ ቀዳማይ ዝዓበየ ዑደት በዓል-ስልጣን ዝኸውን ዘሎ፡ ህንዲ ካብ ሩስያ ብሕሱር ነዳዲን ፈሓምን ኣብ ትሽምተሉ ዘላ እዋን`ዩ። ህንዲ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝተኻየደ ንወራር ሩስያ ዝኹንን ድምጺ፡ ድምጸ ተዓቅቦ`ያ ጌራ።

ኲናት ዩክሬን ብሰንኪ በቲ ሓደ ምስ ሩስያ ዝጸንሓ ናይ ነዊሕ እዋን ምሕዝነት ኣሎ፡ በቲ ኻልእ ድማ ምስ ምዕራባውያን እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ዝምድና ንህንዲ ብድሆ ኮይኑዋ ከምዘሎ`ዩ ይፍለጥ። ኲናት ዩክሬን ኣብ ዝቐጸለሉ ድማ ህንዲ ናብ ሩስያ ብምጽጋዕ ንሃገራት ምዕራብ ከይተግልለን ብዝብል ኣብ ልዕሊ ህንዲ ጸቕጢ ክሕይል ይርኣይ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG