ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚ/ጉዳያት ወጻኢ ጀርመን ኣብ ግጭት ክልል ትግራይ ዘተ ክቕድም ጸዊዖም


ናይ ጀርመን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ሄይኮ ማኣስ እውን ኣብ ክልል ትግራይ ይካየድ ብዛዕባ ዘሎ ወታደራዊ ግጭትን ሰብኣዊ ኩነታትን ብዝምልከት ትማሊ ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ ኢትዮጵያን ጎረባብቲ ሃገራትን ኣብዚ ዓመት ብውሑጅ፣ወራር ኣንበጣን ለበዳ ኮቪድ 19 ከቢድ ፈተና ከምዘጋጠሞም ኣዘኻኺሮም።

ሕጂ ድማ ነታ ሃገር ዝኸፍል፣ንህዝቢ ዝጎድእ ዘሎን ኣብ ጎረባብቲ መንግስታት ተፅዕኖ ዘለዎን ኣብ ክልል ትግራይ ወታሃደራዊ ግጭት ይካየድ ኣሎ እዚ ድማ ኣዚዩ ሓደገኛ እዩ ኢሎም።

እቲ ግጭት ንምፍታሕ ፈለማ ነቲ ወጥሪ ምህዳእን ዘተን ብምቕዳም ፖለቲካዊ መስርሕን ብቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ዝተጀመረ ከይዲ ለውጢ ክቕፅልን ኣለዎ ኢሎም። እቶም ወገናት ዝቐረበሎም ሽምግልና ክቕበሉዎ እውን ፀዊዖም።

ተመራፃይ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኽኾኑ ዝሓረይዎም ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው፣ብሄር ዒላማ ዝገበረህውከትን ኣብ ዞባዊ ሰላምን ፀጥታን ብዘሕደሮ ሓደጋ ብዓሚቕ ከምዘሻቐሎም ገሊፆም።

ንሶም ብቲዊተር ኣቢሎም ኣብ ዝዘርግሑዎ መልእኽቲ ህወሓትን ሰበስልጣን መንግስትን እቲ ግጭት ከብቅዕ፣ሰብኣዊ ሓገዝ ክኣትውን ስቪላት ሓለዋ ክግበረሎምን ስጉምትታት ክወስዱ ፀዊዖም።

XS
SM
MD
LG