ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚ/ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ቶኒ ብሊንከን ምስ ቀ/ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ናይ ቴሌፎን ርክብ አካይዶም


ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ቶኒ ብሊንከን

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ቶኒ ብሊንከን ሎሚ ሓሙስ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ኣገዳስነት ክልቲኣዊ ዝምድና ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኢትዮጵያን ምዝርራቦም ኣፈኛ’ቲ ሚኒስትሪ ኔድ ፕራይስ ገሊጹ።

ኣብቲ ርክብ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ቶኒ ብሊንከን ኣብ ክልል ትግራይ ብዛዕባ ዘሎ ሰብ ኣዊ ቅልውላው ብዓሙቕ ከምዘተሓሳሰቦም ገሊጾም። ተወሳኺ ሞት ንምክልኻል ድማ ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ብዘይ ዝኾነ ዕንቕፋት ክባጻሕ ከምዘድልይ ምግላጾም ተሓቢሩ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ቶኒ ብሊንኪን ብዘይካዚ ኣመሪካ ኣብ መደባት ተሃድሶ ኢትዮጵያ ዘለዋ መብጽዓ ዳግማይ ኣረጋጊጾም። ሃገሮም - ኣብ መጻኢ ኣብ ዝካየድ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ፣ ዞባዊ ሰላምን ጸጥታን፣ ደሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን፣ ፍትሕን ተሓታትነትን ከምኡውን ቁጠባዊ ብልጽግና ኩሎም ኢትዮጵያውያን ክትተሓጋገዝ ምዃና ምርግጋጾም እቲ ካብ ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ዝተዋህበ ሓበሬታ ጠቒሱ።

ርእይቶታት ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG