ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚ/ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ምስ ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ብስልኪ ምዝርራቡ ኣፍሊጡ


ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንተኒ ብሊንከን ንቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ብስልኪ ምዝርራቡ ኣፍሊጡ።

ብሊንከን ኣብቲ ሓጺር ናይ ትዊተር መልእኽቱ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ዝቐጸሉ ቀውስታት ን ኣሜሪካ​ ዘተሓሳስቡ ምዃኖም ንቀዳማይ ሚንስተር ከምዝገለጸሉ ኣፍሊጡ።

እቲ ግጭታት ደው ክብል ንድሕነት ሲቪላት ንምሕላው ህጹጽ ስጉምቲ ክወስድ ከምዘተሓሳሰቦን፡ ኣሜሪካ​ ንግጭታት ኣብ ምፍታሕ ንምሕጋዝ ድልውቲ ምዃና ከም ዘፍለጦን ብሊንከን ገሊጹ`ሎ።

ወሃቢ ቓል ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ​ኔድ ፕራይስ ኣብ መርበብ ሓበሬታ'ቲ ሚኒስትሪ ኣብ ዘውጽኦ ጽሑፍ፡ "ብሊንከን ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር​ ኢትዮጵያ ኣብ ዘካየዶ ምይይጥ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ሰብኣዊ ኩነታትን ቀውሲታት ሰብኣዊ መሰላትን፡ ንኣሜሪካ​ ዘተሓሳስብዋ ምዃኖም ኣሐይሎም ገሊጾምሎም" ይብል::

ፕራይስ ብምቕጻል፡ ኣብቲ ክልል ብዛዕባ ዝተፈጸሙ ናይ ጭካነ ተግባራት፡ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላትን በደላትን ዘርእዩ ተኣመንቲ ጸብጻባት ቁጽሮም እናወሰኸ ምዃኑ ብሊንከን ንቀዳማይ ሚኒስትር ​ ከምዘልዓለሉን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንስደተኛታት ወሲኽካ፡ ናይ ሲቪላት ድሕነት ንምሕላው፡ ከምኡ`ውን እቲ ህውከት ንኸይቅጽል ንምክልኻል፡ህጹጽን ጭቡጥን ስጉትታት ንክወስድ ምትሕስሳቡ ኣመልኪቱ`ሎ።

ኔድ ፕራይስ ኣተሓሒዙ "እቲ ግጭት ቀልጢፉ ደው ንክብል፡ ናይ ክልል ኣምሓራ ሓይልታት ጸጥታን ወተሃደራት ኤርትራ ዝርከብዎም ናይ ወጻኢ ሓይልታት ካብ ትግራይ ንኽወጹ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ብሊንከን ኣጥቢቖም ሓቲቶሞም ኢሉ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ተፈጺሞም ብዛዕባ ዝተባህሉ፡ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላትን በደላትን፡ ናጻን ተኣማንን መርመራ ንከዳልው፡ ምስ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ንክሰርሕ፡ ንፈጸምቲ`ቲ ተግባራት ድማ ብተሓታታይነት ንክሕዝ- ሚስተር ብሊንከን ምትሕስሳቡ ፕራይስ ኣመልኪቱ`ሎ።

ናብ ክልል ትግራይ ሰብኣዊ ረድኤት ብዘይ ገደብ ክኣቱ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምፍቃዱ ኣፍልጦ ከምዝህብ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንተኒ ብሊንከን ንቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ምግላጹን፡ ዝተኣተወ ቃል ንክኽበር ምሕታቱ፡ ከምኡ ድማ ኣሜሪካ ንጸገም ንዝተቓልዑ ኢትዮጵያውያን ህይወት ኣድሕን ረድኤት ምልጋሳ ከም ትቕጽል፡ምርግጋጹ ወሃቢ ቃል ኔር ፕራይስ ኣመልኪቱ`ሎ።

ብኻልእ ወገን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ "ኣብ ክልል ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ሕጊ ናይ ምኽባር ወፍሪ" ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘውጽኦ ዝርዝር መግለጺ፡ ነቲ ወፍሪ ንክብገስን ፈደራል መንግስቲ ጣልቃ ንክኣቱን ዝደፍኦ እቲ "ወንጀለኛ" ዝበሎ ጉጅለ ህወሓት "ፈጺምዎም" ዝበሎም ጥሕሰታት ሕገ-መንግስቲ፡ ብግልጺ ዘርእዩ መብርህታት ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት ምውጽኡ ኣዘኻኺሩ`ሎ።

ጉጅለ ህወሓት "ንሕገ መንግስቲ ዝሕልዉ ሓይልታት ምክልኻል እዚ ሰሜን፡ ኮነ ተባሂሉ ዝተወሃሃደን ዘስካሕክሕን መጥቃዕቲ ብምፍጻም፡ ብመሰረት ሕጊ`ዛ ሃገር ከቢድ ናይ ክሕደት ገበን ፈጺሙ`ዩ" ኢሉ።

ማንም ውልቀሰብ ኮነ ኣካል ኣብ ሃገራዊ ይኹን ዓለምለኻዊ ደረጃ፡ ካብ ናይ ሃገሩ ሕጊ ወጻኢ ክኸውን ከምዘይክእልን መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ሕጊ ናይ ምኽባርን ነታ ሃገር ክከላኸለላን ግዴትኡ ኣብ ምፍጻም ምዃኑ እቲ መግለጺ የመልክት።

መንግስቲ ኣብዚ እዋን`ዚ ኣብ ክልል ትግራይ ዘካይዶ ዘሎ ወፍሪ ክልተ ገጽ ዘለዎ ምዃኑ እቲ መግለጺ ብምሕባር እቲ ሓደ ዘድሊ ሰብኣዊ ረድኤት ምብጽሑ ብምርግጋጽ- ነቲ ኽልል መሊስካ ምህናጽ ምዃኑ ገሊጹ`ሎ።

ስለዚ ድማ መሰረት ልምዓት እናተሃነጸ ምዃኑን ንዜጋታት ኣድላዪ ኣገልግሎታት ንምሃብ ምምሕዳራዊ ስራሓት ከምዝተመልሱ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣብቲ መግለጺኡ ሓቢሩ`ሎ።

መንግስቲ እቲ ካልኣይ ኢሉ ዝጸውዖ መንቅስቓስ ድማ፡ ገበን ዝፈጸሙ ሰባት ናብ ፍትሒ ናይ ምቕራቦም ስራሕ ምዝዛም ምዃኑን፡እዚ`ውን ኣብቲ ክልል ሕጂ እናተዓመ ምኻኑ- እቲ መግለጺ ኣፍሊጡ`ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ።


XS
SM
MD
LG