ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚ/ጉ/ወ ኣመሪካ ኣብ ጉዳያት ኢምግሬሽንን ካልኦትን ንምዝርራብ ፓናማ ኣትዮም


ሚ/ጉ/ወ ኣመሪካ ኣንተኒ ብሊንከን ምስ ምክትል ሚንስትር ጉዳያት ወጻ ኢ ፓናማ ማርታ ጎርደን
ሚ/ጉ/ወ ኣመሪካ ኣንተኒ ብሊንከን ምስ ምክትል ሚንስትር ጉዳያት ወጻ ኢ ፓናማ ማርታ ጎርደን

ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንተኒ ብሊንከን ምስ ወከልቲ 20 ሃገራት ደቡብ ኣመሪካ ብዛዕባ ጉዳይ ኢሚግረሽን ንኽዘራረብ ንናይ ክልተ መዓልታት ዘተ ኣብ ፓናማ ኣትዩ`ሎ።

ቅድሚ`ቲ ዝርርብ ኣብ ዝነበረ ወግዓዊ እንግዶት ዝተዛረበ ብሊንከን፡ ኢሚግረሽን ዞባዊ ብድሆ ጥራይ ዘይኮነስ ዓለማዊ`ዩ ኢሉ።

"ኣመሪካ ምስ ኩሉኻትኩም ብሽርክነት ንምስራሕ ድልውቲ`ያ" ዝበለ ብሊንከን፡ "እቲ ስራሕ ኣብ ልዕሊ መርበባት ኣሰጋገርቲ ይኹን ምምሕዳራት ዶባት፡ ከምኡ'ውን ምምሕያሽ ሕጋዊ ኢምግረሽን ዝበሉ ጉዳያት ንምዝርራብ ድልዋት ኢና" ኢሉ።

ዝመጽእ ወርሒ ሰነ`ውን ንሰሜንን ደቡብን ኣመሪካ ዝጠርነፈ ዋዕላ ኣመሪካ ኣብ ሎስ ኣንጀልስ ክካየድ`ዩ ።

ብሰንኪ ደረት ኮቪድ19 ብዶብ ሜክሲኮ ንዝኣትዉ ሓተቲ ዑቕባ ዝውሃብ ዝነበረ ዕድል ደው ኢሉ ድሕሪ ምጽናሕ ሕጂ ግን ክፈኩስ ተገይሩ`ሎ።

XS
SM
MD
LG