ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚ/ወ/ጉ ኣሜሪካ ማይክ ፖምፐይ ምስ ናይ ኢትዮጵያ ሓባራዊ ናይ ሃይማኖታት መድረኽ ተራኺቦም፡ተዘራሪቦም


ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ማይክ ፖምፐይ ሎሚ ምስ ናይ ኢትዮጵያ ሓባራዊ ናይ ሃይማኖታት መድረክ ኣብ አዲስ አበባ ተራኺቦም፡ተዘራሪቦም። ሚንስትር ፖምፐይ ንመሰረታዊ ኣገዳስነት ናይ ሃይማኖት ናጽነት ኣብ ዲሞክራሲ ብምጥቃስ ንመሪሕነት አባላት’ቲ መድረኽን ናይተን ሃይማኖታት ማሕበረሰብን ኣመስጊኖም።

ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ማይክ ፖምፐይን አባላት’ቲ መድረኽን እቲ ሓባራዊ ናይ ሃይማኖታት መድረኽ ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝካየድ ሃናጺ ልዝብ ኣብ ምብርታዕ ዝጻወቶ አገዳሲ ተራ ብዝምልከት’ውን ብሰፊሕ ምዝርራቦም ተፈሊጡ’ሎ።

XS
SM
MD
LG