ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚ/ወ/ጉዳያት ኣመሪካ ምስ ፕረ.ዩክሬን ተራኺቦም:ተዘራሪቦም


ፕረዚደንት ዩክሬንን ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካን
ፕረዚደንት ዩክሬንን ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካን

ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንተኒ ብሊንከን ሎሚ ኣብ ኬየቭ ዩክሬን ምስ ፕረዚደንት`ታ ሃገር ኣብ ዝተራኸበሉ እዋን፡ ንግጭት ዶብ ዩክሬንን ሩስያን ንምዝሓል ዲፕሎማሲ ንጹር ምርጫ`ኳ እንተኾነ፡ ሩስያ ንዩክሬን ምውራራ እንተደፊኣትሉ ግን ከቢድ ሳዕቤን ክትቕበል`ያ ክብል ተዛሪቡ። ኣብ ዶብ ዩክሬን ኣስታት 100 ሺሕ ወተሃደራት ሩስያ ምህላው ንዩክሬን ቅድሚ ሎሚ ዘይተራእየ ስግኣት`ዩ ዝብለ ብሊንከን ኣመሪካ ንልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ዩክሬን ዘለዋ ድጋፍ ገሊጹ።

ፕረዚደንት ዩክሬን ብወገኑ ምምሕዳር ባይደን ንዝገበረሉ ወተሃደራዊ ድጋፍ ኣመስጊኑ።

ኣብ ዶብ ዩክሬን ወተሃደራዊ ሓይሊ ሩስያ ምሃናጹ፡ ነታ ሓደ እዋን ኣካል ሕብረት ሶቭየት ዝነበረት ዩክሬን ክትወራ ትኽእል`ያ ዝብል ስግኣት ሓይሉ`ሎ። ሩስያ ኣብ 2014`ውን ንሓውሲ ደሴት ክረሚያ ካብ ዩክሬን መንጢላታ`ያ።

XS
SM
MD
LG