ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚ/ወ/ጉዳያት ላቭሮቭ ጠንቂ ምውሳኽ ዋጋታት ሃገሮም ዘይምዃና ይሕብሩ


ንኣርባዕተ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝሓቘፈ ዑደቶም ብኢትዮጵያ ዝዛዘሙ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ሩስያ ሰርገይ ላቭሮቭ ሎሚ ረቡዕ ኣብ ዝሃቡዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ሃገሮም ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ዝፈጸመቶ ኲናት ጠንቂ ዓለማዊ ናህሪ ዕዳጋ ዘይምዃኑ ገሊጾም።

መብዛሕትአን ሃገራት ኣፍሪቃ ኣንጻር ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ብዘይ ምዅናነን ምስታ ኣህጉር ዝምድና ንምሕያል ዝጽዕሩ ዘለዉ እቶም ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ፡ ቀንዲ ጠንቂ ናህሪ ዋጋታት ለበዳ ኮቪድ19ን ሃገራት ምዕራብ ዘተኣታትወኦ “ሓምላይ ፖሊሲን” ኢዩ ኢሎም።

ላቭሮቭ ኣብ ዘረባኦም፡ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ማዕቀብ ምንባራ፡ ሓደ መርኣያ ናብቲ ዝበለየ መግዛእታዊ ስርዓት ንምምልስ ዝግበር ሃቐነ’ዩ ኢሎም። እቶም ሩስያዊ በዓል ስልጣን ወሲኾም፡ ሃገራት ምዕራብ ዝሰብካሉ ናጻ ዕዳጋ ብሩስያ ክብለጽ ምስ ረኣየኦ ናብቲ ናይ ቀደም ስርዓት ይምለሳ ኣለዋ ኢሎም።

ሚኒስተር ላቭሮቭ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ወጻኢ ጉዳያትን ደመቀ መኮነንን ፕረዚደታን'ታ ሃገር ሳህለወርቅ ዘውዴን ተራኺቦም ነይሮም። ምስቶም ካብ ህዝባዊ ርክብ ተገሊሎም ዘለዉን ከይተራእዩ ዝጸንሑን ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ብዛዕባ ምርኻቦን ዘይምርኻቦምን ግን ዝተፈልጠ የሎን፡፡

XS
SM
MD
LG