ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚ/ሳይንስን ትምህርትን ኢትዮጵያ ኣብ ኣርባዕተ ዩኒቨርሲቲታት ክልል ትግራይ ዝነበሩ ኣስታት 10 ሽሕ ተማሃሮ ካብቲ ክልል ምውጹኡ ኣፍሊጡ


መቐለ ዩኒቨርሲቲ
መቐለ ዩኒቨርሲቲ

ሚኒስትሪ ሳይንስን ትምህርትን ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ካብ ዝርከቡ ኣርባዕተ ዩኒቨርሲቲታት ልዕሊ 10 ሽሕ ተማሃሮ ክወፁ ከምዝገበረ ኣፍሊጡ ።

እቶም ተመለስቲ ተማሃሮ ብወገኖም ህወሓት እቶም ተዋጋእቲ “ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ”ዮም ዝብሎም ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ግን ተዋጋእቲ ኣካል’ቲ ኣሸባሪ ዝተሰምየ ውድብ ዝብሎም ንኸተማ መቐለ ድሕሪ ምቁፅፃሮም ምስ መግቢ ተተሓሒዙ ቀረባት እናቀነሰ እተመፀ'ኳ እቲ ህዝቢ ግን ኣብ ጎኖም ኮይኑ ይተሓባበሮም ምንባሩ ተዛሪቦም ።

ሚኒስትሪ ሳይንስን ላዕለዎት ትምህርትን ኣብቲ ሎሚ ዘውፀኦ መግለፂ ተመረቅቲ ዓመተ ትምህርቲ 2013 ዝነበሩ ተማሃሮ እተን ዩኒቨርስትታት ዘይዛዘምዎ ትምህርቶም ዛዚሞም ዝምረቅሉ ኩነታት ከመዓራሪ ምዃኑ ሓቢሩ። ሎምዘበን ብዛዕባ ዘይምረቁ ተምሃሮ ግን ዝበሎ ነገር የለን። ​

ሚኒስትሪ ሳይንስን ላዕለዎት ትምህርትን ኢትዮጵያ ስጋብ ትማሊ 06 ነሓሰ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ሰሙን ኣብ ክልል ትግራይ ካብ ዝርከቡ ዩኒቨርሲታት መቐለ፣ኣኽሱም፣ዓዲግራትን ራያን ዝነበሩ 10,164 ተማሃሮ ካብቲ ክልል ምውፅኡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ፌስቡኩ ሓቢሩ ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::


XS
SM
MD
LG