ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚ/ሰላም ኢትዮጵያ 6ይ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ብሰላም ክውዳእ ናይ ሓደ ዓመት ምድላው ምክያዱ ገሊጻ


ሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ብሰላም ንኽውዳእ ንሓደ ዓመት ኣቢሉ ምድላው ከምዝተገብረ ሚኒስትር ሰላም ኢትዮጵያ ሙፈርያት ካሚል ንጋዜጠኛታት ገሊጻ። ኣብ ድሬዳዋን ሃረርን ገይሻ ዘላ ሙፈርያት፡ ንሕብረተሰብ ዘሳተፈ ሓለዋ ሰላም ውጽኢት የምጽእ ኣሎ ኢላ።

ካብዚ ተመክሮ`ዚ ንቐጻሊ ምርጫታት ትምህርቲ ንምቕሳም መጽናዕቲ ይግበር ምህላዉ'ውን ሓቢራ።

ኣብ ድሬዳዋ ኣብ ዝገበረቶ ምብጻሕ፡ ብስነ-ምግባሮም ዝተመስገኑን እሙናትን ገለልተኛ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ተኣማንነት `ቲ ዝተኻየደ ምርጫ ዝለዓለ ተራ ከምዝነበሮም ከምዝተረድአት ወሲኻ ገሊጻ።

ሚኒስትር ሰላም ኢትዮጵያ ወ/ሮ ሙፈርያት ካሚል፡ ኣብ ድሬ​ዳዋ ምስ መራሕቲ ሃይማኖት፡ መራሕቲ ትካላትን ሓይልታት ጸጥታን `ውን ብምርኻብ ምምክኻራ'ውን ተሓቢሩ ሎ።

XS
SM
MD
LG