ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚ.ምክልኻል ኣውስትራልያ፡ ትካላት ቻይና ዝገጠምዎ ካሜራታት ካብ ህንጻታት ከምዘልግሶም ኣፍሊጡ


ሚንስትሪ ምክልኻል ኣውስትራልያ፡ ምስ ኮሚንስት ፓርቲ ቻይና ምትእስሳር ዘለዎም ትካላት ዝገጠምዎ ካሜራታት ካብ ህንጻታት ከምዘልግሶም ኣፍሊጡ። ቅድሚ ሎሚ`ውን ኣመሪካን ብሪጣንያን ተመሳሳሊ ስጉምትታት ወሲደን`የን።

ብመሰረት ሓደ ጋዜጣ ኣውስትራልያ፡ብ `ሂኪቪጅን ኤንድ ዳዋ ዝብሃል ቻይናዊ ኩባንያ 913 ካሜራታት፡ ኢንተርኮማት ኤለክትሮኒካዊ መእተዊ ስርዓታትን ኣብ ትካላት መንግስቲ ኣውስትራልያ ተተኺለን ኣለዋ።

ብዛዕባ`ቲ ውሳነ ኣውስትራልያ ዝተሓተተ ወሃቢ-ቓል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቻይና፡ እቲ ውሳነ፡ ግጉይ ኣሰራርሓን፡ ንስነ-ሓሳብ ሃገራዊ ጸጥታ ልዕሊ ዓቐን ዝመጠጠን፡ ኣንጻር ትካላት ቻይና ዝግበር መንግስታዊ በደል ዘጉልሕን`ዩ ክብል ነቒፍዎ`ሎ።

XS
SM
MD
LG