ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚ/ምክልኻል ኣመሪካ ምስ ናይ ቻይና መዘነኦም ኣብ ሲንጋፖር ክዘራረቡ'ዮም


ሚንስትር ምክልኻል ኣመሪካ ሎይድ ኦስተን
ሚንስትር ምክልኻል ኣመሪካ ሎይድ ኦስተን

ሚንስትር ምክልኻል ኣመሪካ ሎይድ ኦስተን ኣብዚ ሰሙን ምስ ናይ ቻይና መዘነኦም ኣብ ሲንጋፖር ኣብ ጉዳያት ምክልኻል ኣብ ዝዝቲ መድረኽ ክራኸቡ’ዮም።

እቲ ርክብ ኣብ መንጎ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ኣመሪካን ቻይናን ሓሓሊፉ ዝርአ ኣኼባ’ዩ።

ዝምድና ክልቲኣን ሃገራት ኣብ ውጥረት ኣብ ዝርከበሉ ሕጂ እዋን’ዚ ብዙሕ ዘሰማምዖም ሓባራዊ ነገር የብሎምን። ሓደ ካብቲ መርኣያ ናይዚ ውጥረት ወታሃደራዊ ነፈርቲ ቻይናን ሩስያን ኣብ ጥቃ ክሊ ኣየር መሻርኽቲ ኣመሪካ ዝኾና ሃገራት ኤስያ ኣብ መወዳእታ’ዚ ዝሓለፈ ወርሒ በረራ ምክያደን'ዩ።

ኹናት ሩስያ ኣብ ዩክሬን’ዉን ንውጥረት ክልቲኣን ሃገራት ኣግዲዲዎ’ዩ። ቻይና ብቅሉዕ ንኹናት ሩስያ እንተዘይደገፈት’ዃ ምስ ሩስያ ዝጠበቀ ዝምድና ንምግባር ቃል ምእታዋ ኣብ ኣመሪካ ንብዙሓት ዘሻቀለ’ዩ።

ብተወሳኺ ጉዳይ ታይዋን ካልእ ኣሰሓሓቢ ጉዳይ ኣመሪካን ቻይናን’ዩ። ቻይና ታይዋን ኣካል ቻይናያ በሃሊት ክትከውን ከላ ኣድላይ እንተኾይኑ ሓይሊ’ውን ክትጥቀም ከም ትኽእል’ዉን ኣጠንቂቃ'ያ። ፕረዚደንት ባይደን ኸኣ ቻይና ንታይዋን እንተወሪራታ ኣመሪካ ንታይዋን ክትከለኸለላ’ያ ክብሉ ገሊፆም’ዮም።

ክልቲኣን ሃገራት ከም ለውጢ ክሊማ: ጉዳይ ኑክሌር ሰሜን ኮርያን ዝበሉ ክተሓባበራሉ ዝኽእላ ነገራት እንተሃልለዉ’ዃ በዚ ዘሎ ኩነታት ግን ሓቢረን ንምስራሕ ዘሎ ዕድል ዝፀበበ’ዩ።

XS
SM
MD
LG