ዋሽንግተን —
ኣብ ሱዳን ዑቕባ ዝሓተቱ ወተሃደራት ዓቃብ-ሰላም ሰራዊት ተወላዶ ትግራይ ግዳያት “ፕሮፓጋንዳ” ኢዮም ክብል ሚኒስትሪ ምክልኻል ኢትዮጵያ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ገሊጹ።
ብመሰረት ሓበሬታ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ፡ እቲ መግለጺ እቶም ወታሃደራት ግዳይን መሳርሒን ስኑዕ ዜና መራሕቲ ትግራይ’ዮም ክብል ወሲኹ ይሕብር። ኣስዒቡ እቲ መግለጺ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኢትዮጵያ፡ “ገለ ካብቶም ወታሃደራት እንኮላይ ብህወሓት ከይእሰሩ ስግኣት ስለ ዘለዎም’ዮም ንኸይምለሱ ወሲኖም” ኢሉ።
እቶም ኣብ ኣቢየ ዝተባህለ ናይ ደቡብ ሱዳንን ሱዳንን ኣከራኻሪ ቦታ ዝርከቡ 528 ወታሃደራት፡ ብሰንኪ ስእነት ጸጥታ ንኢትዮጵያ ከም ዘይምለሱ ኣፍሊጦም ኢዮም። እቶም ኣባላት ዓቃብ-ሰላም ሰራዊት ኣቐዲሞም ናብ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ’ውን ኣብ ዝለኣኹዎ ደብዳበ፡ ነቲ ኣብ ክባን ዕጽዋን ዘሎ ህዝቦም ድምጺ ንምዃንን መሳርሒ’ቲ ህዝቢ የጽንት ኣሎ ዝበሉዎ መንግስቲ ንዘይምዃንን ንሃገሮም ከም ዘይምለሱ ኣመልኪቶም ነይሮም። ንኢትዮጵያ ምስ ዝምለሱ ውሕስነት ከም ዘይብሎም’ውን ጠቒሶም ነይሮም።