ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚ/ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ግንባራት ብዙሓት ሰራዊት ህወሓት ምቕታሉ ገሊጹ


ሌ/ና ጀነራል ባጫ ደበሌ
ሌ/ና ጀነራል ባጫ ደበሌ

ኣብ ዝተፈላለዩ ግንባራት ኣብ ዝተኻየዱ ውግኣት ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ተዋጋእቲ ህወሓት ተቕቲሎም ክብል ሚንስትሪ ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ሓላፊ ወተሃደራዊ ወፍሪ ሌ/ና ጀነራል ባጫ ደበሌ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃዎ መግለጺ፡ መንግስቲ ወተሃደራዊ ዓወታት ኣመዝጊቡ`ሎ ኢሉ።

ህውሓት ንምቁራጽ ተኹሲ ብዘይምቕባል ካብ ክልል ትግራይ ሰራዊት ኣኪቡ ንክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ወሪሩ`ዩ ዝብለ ጀነራል ባጫ፡ ወተሃደራዊ ስልጠና ዘይወሰዱን ቆልዑትን ናብቲ ውግእ ኣእትዩዎም`ዩ ኢሉ።

ንክልል ትግራይ ዘመሓድር ዘሎ ሓይሊ`ውን ብወገኑ ነቲ ኩናት ብዓወት ይቕጽሎ ከምዘሎ ክገልጽ ጸኒሑ`ዩ። ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ኩሎም ወገናት ብህጹጽ ናብ ዘተ ሰላም ክኣትዉ ዝሓለፈ ቀረባ ሰሙናት ምጽውዑ ይዝከር።

XS
SM
MD
LG