ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚ/ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣቶ ለማ መገርሳ ምድማር ንዝብል ፍልስፍናን ውህደት ፓርቲታትን ከምዘይስማምዑሉ ሓቢሮም


ሚንስትር ምክልካል ኢትዮጵያን ምክትል ኣቦ መንበር ዲሞክራሲያዊ ፓርቲ ኦሮሞ ኣቶ ለማ መገርሳ ምድማር ንዝብል ፍልስፍናን ውህደት ፓርቲታትን ከምዘይስማምዑሉ ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሮም ።

ንሶም ሎሚ ምስ ድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መጠይቅ ቤት ምኽሪ ኢህወዴግ ውህደት ፓርቲታት ኣብ ዘጽደቐሉ ጊዜ ኣብቲ አኼባ ተረኺቦም ከምዝነበሩን ግን ብዛዕባ’ቲ ዝነብረ ከይዲ ዝርዝር ሓበሬታ ንምሃብ ፍቓደኛ ከምዘይኮኑ ገሊጾም ።

ኣቶ ለማ መገርሳ ነቲ ምድማር ዝብል ፍልስፍና ዝተቓወምሉ ምክንያት ድማ ከምዚ ክብሉ የረድኡ።

“ብሓፈሻ ካብ መጀመርያ ጀሚሩ ክሳብ መወዳእታ ምውህሃድ ፓርቲታት ብዝምልከት ዝተፈልየ ሓሳብ’ዩ ዘለኒ ካብ መጀመርያ ጀሚሩ ድማ ከምዘይአምነሉ ንፈጻሚ ስራሕን ንኹሉን ብሰፊሕ ገሊጸ’የ። እቲ ምውህሃድ ቅኑዕ ኣይኮነን ዝኸውን እንተኾይኑ’ውን ብታህዋኽ ክከውን የብሉን: እዋኑ ኣይኮነን” ኢሎም።

ዝርዝር ቃለ መጠይቅ ሚንስትር ምክልካል ኣቶ ለማ መርገሳ ካብ ፓርቲኦም ምላሽ ምስ ረኸብና ከምነመሓልልፎ ንሕብር።


XS
SM
MD
LG