ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

40 ሚእታዊት ካብ አትከኽቲ ሽጋራ ዓለም ብሕማም ሳንቡእ ይሞቱ ክብል ውድብ ጥዕና ዓለም ኣፍሊጡ


ኣብ ዓለም ልዕሊ 40 ሚእታዊት ኣትከኽቲ ሽግራ ብካንሰር፣ከቢድ ናይ ምስትንፋስ ሕማማትን ዓባይ ስዓልን ሓዊሱ ብሕማም ሳንቡእ ህይወቶም ይስእኑ ከምዘለው ውዱብ ጥዕና ዓለም/WHO/ ኣጠንቂቑ።እቲ መጠንቀቕታ ‘ምስትንፋስካ /ህይወትካ/ ብሽጋራ ክትምንጠል ኣይተፍቀድ’ ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ቃል ሎሚ ዓርቢ ይዝከር ዘሎ ‘መዓልቲ ሽጋራ ኣልቦ ዓለም’ /World No Tobacoo Day/ ምኽንያት ብምግባር እዩ።

ውድብ ጥዕና ዓለም ከምዝሓበሮ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ብጠንቂ ትንባኾ ብውሑዱ ሸሞንተ ሚሊዮን ሰባት ይሞቱ፤3.3 ሚሊዮን ተጠቀምቲ ትምባኾ ድማ ምስ ሳንቡእ ብዝተኣሳሰሩ ሕማማት ይሞቱ።እዚ ቁፅሪ ብተዘዋዋሪ መንገዲ /Second Hand Smoke/ ንምትኻክ ሽጋራ ዝቓልዑ ሰባት ዝሓውስ’ዩ።ካብዚኣቶም ድማ ልዕሊ 60,000 ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ብሰንኪ ብተዘዋዋሪ መንገዲ ንምትካኽ ሽግራ ብምቅልዖም ናይ ምትንፋስ ፀገም ዘጋጠሞም እዮም።

ቪንያክ ፕራሳድ ኣብ ውዱብ ጥዕና ግዝያዊ ዳይረክተር ክፍሊ ምክልኻል ተመሓላለፍቲ ዘይኮኑ ሕማማት እዮም።ምጥቓም ትምባኾ 1.4 ትሪሊየን ዶላር ቁጠባ ዓለም ይሽፍን ይብሉ።

ሰባት ሽጋራ ምትካኽ ደው እንተኣቢሎም ህይወትን ገንዘብን ምድሓን ምተኸኣለ ነይሩ፤ትምባኾ ደው ዘበሉ ሰባት ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ሳንብኦም ናብ ስሩዕ ስርሑ ይምለስ ይብሉ።

ውዱብ ጥዕና ዓለም ብደረጃ ዓለም ምትካኽ ሽጋራ ኣብ 2000 ዓ.ም 27 ሚእታዊት ዝነበረ ኣብ 2016 ናብ 20 ሚእታዊት ወሪዱ’ሎ።ብዝሒ ተጠቀምቲ ትምባኾ ግን ብደረጃ ዓለም ብምውሳኹ ዳርጋ ኣብ ቦትኡ ማለት እውን 1.1 ቢሊዮን እዩ ዘሎ ይብል ።

ኣብ ውድብ ጥዕና ዓለም ቴክኒካዊ መኮነን ከርስቲን ሾት ምስ ድኻ ሃገራት ብምውድዳር ኣብ ሃብታም ሃገራት ምትካኽ ሽጋራ ምንካዩ ይገልፃ።

“ብዝሒ ተጠቀምቲ ትምባኾ ኣብ ትሑትን ማእኸላይን እቶት ዘለወን ሃገራት ወሲኹ’ሎ።ኣብዚ ሕጂ እዋን ጠመተ ኢንዱስትሪ ትምባኾ ኣብዚ እዩ።ኣብ ኣውሮጳን ሰሜን ኣሜሪካ ባይታ ይስእኑ ከምዘለው ይፈልጡ እዮም።ደድሕሪ ዝተሓተን ማእኸላይን እቶት ዘለወን ሃገራት ብምኻድ ብፍላይ ንደቂ ኣንስትዮን ቆልዑን ዒላማ ክገብሩ እዮም።”

ውድብ ጥዕና ዓለም ሃገራት ምጥቓም ትምባኾ ንምንካይ ብዝወሓደ ዋጋ ክወስድኦ ዘለወን ስጉምትታት ምኽረ ሓሳባት ሂቡ’ሎ።ካብ ምትካኽ ሽግራ ነፃ ዝኾነ ከባቢ ምፍጣር፣ትምባኾ ዝምልከት ኩሉ ዓይነት ምውዕዋዕ፣ምፍላጥን ስፖንሰርሽፕን ክተርፍ ምግባር ገሊኦም እዮም።ብዙሓት ሰባት ብፍላይ ድማ መናእሰይ ከምዘይኽእሉዎ ጌርኻ ኣብ ሽጋራን ካልኦት ፍርያት ትምባኾን ዝለዓለ ግብሪ ምፅዓን ከምዝግባእ እውን ውድብ ጥዕና ይምዕድ።

XS
SM
MD
LG