ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

62 ሚእታዊት ካብ ነበርቲ ቤንሻንጉል ጉምዝ ተጸበይቲ ሓገዝ ምዃኖም ተገሊጹ


ካብ ቤንሻንጉል ጉምዝ ዝተመዛበሉ ነበርቲ - ፋይል
ካብ ቤንሻንጉል ጉምዝ ዝተመዛበሉ ነበርቲ - ፋይል

ኣብ ክልል ቤንሻንጉል-ጉሙዝ ብሰንኪ ግጭትን መጥቓዕትን ብተደጋጋሚ ዝተፈጥረ ዘይምርግጋእ 62 ሚእታዊት ነበርቲ እቲ ክልል ተፀበይቲ ረድኤት ክኾኑ ከምዝተገደዱ እቲ ክልል ኣፍሊጡ።

ኣብ መፅናዕቲ ዝተመስረተ ናይ መፃኢ ግዜ ትንበያ ጠቒሶም ዝተዛረቡ ናይቲ ክልል ኮሚሽነር ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ ኣቶ ታረቀኝ ታሲሳ ኣብዚ ሕጂ እዋን ብሰንኪ ፀገም ፀጥታ ካብ መነባብብርኦም ዝተመዛበሉን ብሰንኪ ናይ ተፈጥሮ ጸገማት ዝተመዛበሉን ሓገዝ ይግበረሎም ካብ ዘለውን 422 ሽሕ ሰባት ብተወሳኺ ካብ 650 ክሳብ 700 ሽሕ ነበርቲ እቲ ክልል ሓገዝ ዘድልዮም እዩም ኢሎም።

ናይቲ ፀገም ምኽኒያት ክገልፁ ከለው ኣብቲ ክልል ንልዕሊ ሰለስተ ዓመታት ዝፀንሐ ፀገም ፀጥታ ስዒቡ ዝተኣሳሰሩ ካልኦት ፀገማት እውን እዮም ኢሎም።

ኣቶ ታረቀኝ ታሲሳ ሕጽረት መግቢ ቅድሚ ምግጣሙ ብመንግስቲ ይስርሑ ኣለው ዝበሉዎም ስርሓት እውን ኣብሪሆም ።

XS
SM
MD
LG