ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

87 ሚእታዊት ካብ ህዝቢ ትግራይ ናይ መግቢ ሓገዝ ከምዘድልዮ ትካል ሕ/ሃ ሓቢሩ


ምብጻሕ ሰብኣዊ ረድኤት ትግራይ ገለ ጽቡቕ ዜና ክርኣዮ ምጅማሩ ዝገለጸ ኣብ ኢትዮጵያ ቤትጽሕፈት ምውህሃድ ረድኤት ሕቡራት ሃገራት(ኦቻ)፡ እቲ ኩነታት ገና ዘይርጉእን ክትንበዮ ዘጸግምን ምዃኑ ጠቒሱ።

ኣብ ቀረባ መዓልታት ብወተሃደራዊ ሓይልታት ዝተራእየ ምዕጻው መንገዲ፡ ኣብቶም ዝያዳ ተጠቃዕቲ ከባብታት ገጠር ረድኤት ንምብጻሕ ከምዘጸገመ ዝግልጽ ኦቻ፡ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ፡ማእከላይ- ምብራቕ፡ ደቡባዊ ምብራቕን ደቡባዊ ዞባን ዕጥቃዊ ተጻብኦታት ምንባሩ`ውን ሓበረታ`ሎ ኢሉ።

ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ግንቦት 3- ካብ መንጎ ህጹጽ ረድኤት ክበጽሖም ዝተሓስበ 3 ሚልየን፡ 347 ሺሕ ጥራይ በጺሕዎም ዝበለ ኦቻ፡ ካብ መንጎ 5.2 ሚልየን ዝግመት ህዝቢ ትግራይ፡ 87 ሚእታዊት ናይ መግቢ ሓገዝ ዘድልዮ`ዩ ኢሉ።

ካብ 27 መጋቢት ክሳብ 5 ግንቦት ድማ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ፕሮግራም መግቢ ዓለምን ካልኦት መሻርኽትን፡ ንልዕሊ 1.2 ሚልዮን ህዝቢ ትግራይ ናይ መግቢ ረድኤት ከምዝዓደሉ`ውን እቲ ቤት ጽሕፈት ምውህሃድ ረድኤት ሕቡራት ሃገራት ጠቒሱ`ሎ።

XS
SM
MD
LG