ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚንስትር ፍትሒ እስራኤል ኢትዮጵያዊያን ኣይሁድ ናብ እስራኤል ክግዕዙ ከምትሕግዝ ቃል ኣትያ


ሚንስትር ፍትሒ እስራኤል ኣይለት ሸኪድ ትማሊ ሰንበት ናብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ዘለው ኣይሁድ ምስ ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ኣባላት ስድራ ቤቶም ክራኸቡ መንግስቲ እስራኤል ከፍቕድ ዝከአለን ከምዝሕግዛ ገሊጸን።

ንሰን ብተወሳኺ ምስ ኣብ እስራኤል ዘለው ስድራ ቤት ንምትእኽካብ ኣጸጋሚ ከምዝኸውን ብምግላጽ "ምስ ዝምልከቶም ኣካል ብምትሕብባር ኣብ ሓጺር ጊዜ ንምትግባር ከምዝጽዕራ ገሊጸን።"

ፈላማይ ዑደት ኣብ ኢትዮጵያ ዘካየዳ ሚንስትር ፍትሒ እስራኤል ሸክድ ኣስታት 8,000 ኢትዮጵያዊያን ኣይሁድ ኣብ ኢትዮጵያ ከምዘለው ገሊጸን።

ምስተን ሚንስትር ዝተዘራረቡ ኢትዮጵያዊያን ኣይሁድ ዝበዝሑ ካብ ስድራ ቤቶም ኣብ እስራኤል ከምዝርከቡን ምስኦም ክጽንበሩ ከምዝደልዩ ገሊጾምለን ኣለው።

ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓሰርተ ዓመታት ኢትዮጵያዊያን ኣይሁድ ብዘይ ዝኾነ ጸገም ናብ እስራኤል ክግዕዙ ዝጸንሑ ኮይኖም መንግስቲ እስራኤል ንምግዕዓዝ እቶም ኢትዮጵያዊያን ኣይሁድ ዝተመደበ ባጃት ኣብዚ ሒዝናዮ ዓመት ዘይምጽዳቑ ነቲ ዘሎ ውጥረት ምፍጣሩ ይፍለጥ።


መንግስቲ እስራኤል ነቲ ኩነታት ዝከታተል ኮሚቴ ከምዘዳለውን ነቲ ጉዳይ ከምዝከታተሎ ይገልጹ።

XS
SM
MD
LG