ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ኣብ ኣርባዕተ ሃገራት ኣፍሪቃ ዑደት የካይዱ


ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ኣብ ኣርባዕተ ሃገራት ኣፍሪቃ ዑደት የካይዱ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:00 0:00

ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ኣብ ኣርባዕተ ሃገራት ኣፍሪቃ ዑደት የካይዱ

ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ካብ ጥሪ 2 ክሳብ 6 2019 ኣብ ኣርባዕተ ሃገራት ኣፍሪቃ ዑደት የካይዱ ኣለው።

ዑደቶም ብኢትዮጵያ ዝጀመሩ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ዋንግ ይ እቲ ዑደት ኣብ መንጎ ህዝብታት ክልቲኡ ሃገራት ዝጸንሓ ርክብ ንምሕያል ምዃኑ ሓቢሮም ኣለው።

ዑደት’ቲ ሚንስትር መርኣያ’ቲ ኣብ መንጎ ቻይናን ኣፍሪቃን ዝሕይል ዝምድና ምኳኑ’ውን ይግለጽ ኣሎ።

ሚንስትር ዋንግ ካብ ኢትዮጵያ ቀጺሎም ናብ ቦርኪኖፋሶ፡ጋምብያን ሰኔጋልን ከምዝበጽሑ ተፈሊጡ’ሎ።

ኢትዮጵያ ብተወሳኺ ምስ ቻይና ብምትሕብባር ኣብ ወርሒ መስከረም 2019 ፈላመይቲ መንኮርከር ናብ ህዋ ከምትውንጭፍ ኣፍሊጣ’ላ። ምውንጫፍ እታ መንኮርኮር ንለውጢ ክሊማ ዓለምን ኹነታት ኣየርን ዝምልከት ሓበሬታ ኣብ ምእኻብ ከምዝትሰርሕ ተሓቢሩ’ሎ።

ቦርኪኖፋሶ ብወገና ኩባንያታት ቻይና ኣብ ማዕድን፡ጸዓትን ኣገልግሎት ትምህርቲ'ታ ሃገር ወፍሪ ከምዘካይዳ ዘለዋ ተስፋ ትገልጽ ጸኒሓ’ያ።

XS
SM
MD
LG