ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚንስትር ደቂ ኣንስትዮ: ህጻናትን መንእሰያትን ኢትዮጵያ ፊልሳን ዓብዱላሂ ናይ ስልጣን መልቀቒ ደብዳበ ኣቕሪበን


ሚንስትር ደቂ ኣንስትዮ: ህጻናትን መንእሰያትን ኢትዮጵያ ፊልሳን ዓብዱላሂ

ሚንስትር ደቂ ኣንስትዮ:ህፃናትን መናእሰይ ኢትዮጵያ ፊልሳን ዓብዱላሂ ናይ ስልጣን መልቀቒ ደብዳበ ኣቕሪበን።ንሰን ብትዊተር ኣቢለን ሎሚ ሶኑይ ኣብ ዝዘርግሕኦ ናይ ስራሕ መልቀቒ ደብዳበ ብውሱን ሰብኣዊ ፀጋታትን ብዘይ ብቑዕ በጀትን ውፅኢት ንምምዝጋብ ንእሽተይ ኣብ ዝሰርሕ ሚንስትሪ ኮፍ ምባል ንውድቀት ከምዝተዳለው ኮይኑ ይስምዓኒ ኢለን።ይኹን እምበር ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ዕድላትን ብድሆታትን እንተነበሩ እውን ዓብይ ምዕባለ ምምዝጋብና ብኩርዓት ምዝራብ ይኽእለ እየ ኢለን።

ድሕሪ ዕቱብ ምሕሳብን ነገራት ኣብ ግምት ብምእታውን ናብዚ ውሳነ ምብፅሐን ብምግላፅ ስነ ምግባረይ ዝጥሕስ ዝኾነ ይኹን ኩነታት ምስ ናተይ እምነትን ክብርታትን ዝፃባእ እዩ ኢለን።

በዞም ምኽኒያታት ብናይ ውልቀይ ናይ ሕሊና ሚዛን ሽዑ ንሽዑ ግብራዊ ዝኸውን ናይ ስልጣን መልቀቒ ይሓትት ኣለኹ ኢለን።

ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ንዝሃቡወን ሓላፍነት እውን ኣመስጊነን።

XS
SM
MD
LG