ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚንስትር ዕዮ ህዝባዊ ጉዳያት ሶማል ንማእሰርቲ ሓላፊ አልሸባብ ነበር ብምቅዋም ካብ መዝነቶም ወሪዶም


ሚንስትር ዕዮ ህዝባዊ ጉዳያት ሶማል ዓብደልፈታህ ኢብራሂም ጊሳይ ሓላፊ አልሸባብ ነበር ብምእሳሩን ካብ ዞባዊ ምርጫ ከይሳተፍ ብምክልካሉን ካብ መዝነቶም ምውራዶም ኣፍሊጦም።

ሚንስትር ዓብደልፈታህ ኢብራሂም ትማሊ ሰንበት ምስ ድምጺ ኣሜሪካ ብቴሌፎን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መጠይቅ: መንግስቲ ኣብ ምርጫ ዞባ ደቡባዊ ምዕራብ ሶማል ጣልቃ ብምእታው ንምክትል ሓላፊ ኣል ሸባብ ነበር ቀንዲ ተወዳዳሪ’ቲ ዝመጽእ ምርጫ‘ቲ ዞባ ሙኽታር ሮቦው አቡ ማንሱር ምእሳሩ ብምቅዋም መዝነቶም ምልቃቆም ሓቢሮም።

ይኹን ደአ እምበር ንዝሓለፈ ሰለስተ መዓልታት ኣብ መንጎ ደገፍቲ ሮቦውን ናይ ጸ ጥታ ሓይልታትን ዝጸንሓ ግጭት ደው ምባሉ ተፈሊጡ’ሎ በቲ ግጭት 12 ሰባት ምሟቶም’ውን ተገሊጹ’ሎ።

ሰበ ስልጣን መንግስቲ ብወገኖም ምስቲ ግጭት ብዝተሓሓዝ 200 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ሓቢሮም።

ወሃቢ ቃል ፓርላማ ሶማል መሓመድ ሙርሳል ዓብድራህማን ብወገኖም ሮቦው ብዘይ ቅድመ ኹነት ክፍትሑን እቲ ምርጫ ክመሓላለፍን ጸዊዖም ኣለው።

እቲ ወሃቢ ቃል ብተወሳኺ መንግስቲ ቅዋም’ታ ሃገር ከኽብርን ኣብ ምርጫ ምዕራባዊ ግዝኣት’ታ ሃገር ምእትታው ደው ከብል ጸዊዑ’ሎ።

መንግስቲ ብወገኑ ሮቦው ጥሩፍ እስላማዊ ምምሕዳርን ኣጽዋርን ናብ ዋና ከተማ ምዕራባዊ ግዝኣት ሶማል ባይደዋ ኣታትዩ’ዩ ክብል ይከስስ።

XS
SM
MD
LG