ዋሽንግተን —
ሚንስተር ምክልኻል ኣሜሪካ ጄምስ ማቲስ ምስ ፕረዚዳንት ትራምፕ ኣረኣእያና ኣይተጠዓዐመን ብዝብል ካብ ዝቕጽል ወርሒ ለካቲት ስልጣኖም ከምዝገድፉ ኣፍሊጦም።
እዚ ዜና ፕረዚዳንት ትራምፕ ወታደራት ኣሜሪካ ካብ ሶሪያ ክወፁ እዮም ኢሎም ድሕሪ ምእዋጆም እዩ ዝመፅእ ዘሎ፡ ፔንታጎን ነቲ ስጉምቲ ተቓዊሙዎ’ሎ።
ፕረዚደንት ትራምፕ ሚንስትር ማቲስ ጡረታ ይወፁ ኣለው እንተበሉ እዃ ማቲስ ግን ካብ መዝነቶም ይወርዱ ከምዘለው እዮም ገሊፆም።
ካብ ጉዳይ ሶሪያ ብተወሳኺ ኣብ ጉዳይ ናይ ሩሲያ ፕረዚዳንት ቪላድሚር ፑቲን እውን ኣብ መንጎ ትራምፕን ማቲስን ውጥረት ከምዝነበረ ተፈሊጡ’ሎ።