ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚንስትር መጉዓዝያ ኣመሪካ ዝነበሩ ኖርማን ምናታ ዓሪፎም


ኖርማን ምናታ

ሚንስትር መጉዓዝያ ዝነበሩን ንዓሌታዊ ሓፁር ብምብታኽ ኣብ ዝለዓለ ፅፍሒ ስልጣን መንግስቲ ኣመሪካ ዘገልገሉ ፈላማይ ኤስያዊ ኣመሪካዊ ኖርማን ምናታ ዓሪፎም።

90-ዓመት ዝዕድሚኦም ምናታ ብሕማም ልቢ ኣብ ገዝኦም ኣብ ክፍለ-ግዝኣት ሜሪላንድ ብስድረኦም ተኸቢቦም ከምዝዓረፉ ሓላፊ ቤት ፅሕፈቶም ዝነበሩ ገሊፆም’ ለዉ።

ካብ ስድራ ጃፓናዊ ስደተኛ ዝተወለዱ ኖርማን ምናታ ኣብ ፌደራል ካብኔ ኣመሪካ ኣብ እዋን ምምሕዳር ፕረዚደንት ቢል ክሊንተን ዘገልገሉን ብሪፑብሊካዊ ፕረዚደንት ጆርጅ ዳብሉይ ቡሽ ናይታ ሃገር ዝለዓለ ሽልማት ሲቪል ዝኾነ ፕረዚደንታዊ መዳልያ ነፃነት ዝተሸለሙን’ዮም ኔሮም።

ርእይቶታት ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG